MAP

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቅዳሴ ሲመተ ክህነት፦ ህይወት ካህናት ግሉጽን እሙንን ክኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስርዓተ ሲመተ ክህነት ንምፍጻም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ካህናት ምስቶም እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ኰይኖም ዘገልግሉ ኩሎም ጥብቅ ርክብ ምእንቲ ኽምስርቱ ንጸጋ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅድሴ ሥርዓተ ሲመት 11 ሓደስቲ ካህናት ብምክያድ፣ ብዛዕባ ተልእኾኦምን መንነት ክህነትን ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ክህነታዊ መንነቶምን ዘሎ ርክብ ኣጕልሑ፣ እዚ ርክብ እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኣካል ናይቶም ናብኣቶም እተልእኩ ሰባት ኣብ ምዃን ዝዓቢ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

ነቶም ሓደስቲ ኻህናት ድማ ወሲኾ፣ "መንነት ሓደ ኻህን ኣብቲ ዘልዓለማዊ ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ ክርስቶስ ሱር ዝሰደደ ከም ምዃኑ" ወትሩ ኺዝክሩ ተማሕጸንዎም።

ኣስዕብ ኣቢሉውን  ቅድኑስ ኣቦና እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካህናት ኰይኖም ክሽየሙ ኸለዉ፣ ኣምላኽ ልክዕ ከም "ህዱእ ንፋስ" ምሳና ብምንባር ንህዝቡ ፈጺሙ ከም ዘይሓድጐም ዘርኢ ምልክት ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

"ሓጐስ ኣምላኽ ዝጭድር ኣይኰነን፣ የግዳስ ብሓቂ ንታሪኽ ዝቕይርን ንሓድሕድና ኸም እንቀራረብ ዝገብረናን እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ንዅሎም ካህናት 'ስጋን ደምን' ስለ ዝዀኑ ምስቲ ሓቀይና ዓለም ብምትእስሳር ኣብ ህይወቶም ምስ ኢየሱስ ብምዃን ክጕዓዙ ዓደምዎም።

"ከይተፈለኹም ከይተነጸልኩም ወይ ነቲ እተቐበልኩምዎ ውህበት ናብ ፍሉይ ግላዊ መሰል ከይለወጥኩም ተአዘዝቲ ኩኑ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ግዜ የጠንቅቐና ነበረ፣ ከመይሲ ኣብ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ እተተኰርካ ምዃን፣ ነቲ ናይ ተልእኾ ወንጌላውነት መንፈሳዊ ሓዊ የጥፍኦ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ወሲኾም ቤተ-ክርስትያን ብተፈጥሮኣ ደጋዊ ትርኢት ከም ዘለዋ ውን ኣመልከቱ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርብ ህይወትን ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዜንጸባርቕ እዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

"ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብሕታዊ ናጽነትኩም ሓድነት ከም ዚህልወኩም ብምግባር ካብ ገዛእ ርእስኹም ወጺእኩም ንምኻድ ድሉዋት ትዀኑ ኣእምሮኹምን ብርታዐ ንእስነትኩምን ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያኑ ዝሃቦ ተልእኾ ኢዮቤል ንኽትጽምብሩ ትዕድመኩም" በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ሲመት ካህናት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ሲመት ካህናት   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣገልግሎት ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥማት እቲ "ተልእኾ ኢየሱስ" ስለ ዝዀነን ንዕኡ ዝትክኦ ስለ ዘየልቦን፣ ኣገልግሎት ካህናት ሓደ ኻብቶም መገብቲ ምዃን ደኣ እምበር ምጕይታት ከም ዘይኰነ ገለጹ።

ካህናት ከም ምዃኖም "ነቶም እቲ ዝተንስአ ጐይታ ናብኡ ዚቐርቦምን ከኽብርዎ ዚፈቱን ምእመናኑን ንኵሎም ፍጡራን" ቦታ ክህብዎም ተዓዲሞም ኣለዉ።

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን "ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከመይ ከም ዝነበርኩ ትፈልጡ ኢኹም" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ኣስተንተኑ።

"ግሉጽን ዚርአን እሙንን ህይወት" ክህልወና ከም ዘለዎ ድማ ገለጹ። ብእሙን ምስክርነት ኣብ ቅድሚኦም ደው ምእንቲ ኽንብል፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ኢና እንነብር ዘለና።"

ክርስትያን ብሓንሳእ ጥራይ ኢዮም ንእምንቶ ናይታ "ናብ ዝቘሰለ ሰብኣውነት እተላእከት ዝቘሰለት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ዝቘሰለ ፍጥረት" ክሃንጹ ዝኽእሉ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቍስሊ ናይቲ ዝተንስኣ ክርስቶስ ብምምልካት፣ እዚ ኸኣ ደቂ ሰብ ከም ዝነጸግዎ ዚሕብር ምልክት ከምኡውን ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያን ይቕረ ኸም ዝበለላን ተልእኾኣዊ ትእዛዝ ከም ዝህባን ዚሕብር እዩ ።

ፍቕሪ ክርስቶስ "ሓራ እተውጽእን ኣብ ልዕሊ ወላሓደኳ ወነንቲ ከይንከውን እተኽእለናን ፍቕሪ እያ። ሓራ ንምውጻእ ደኣ እምበር ንምውናን ኣይኰነትን እተዋህበትና።"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉ ኣስታት 55,000 ዝኾኑ ምእመናን ነዞም ሓደስቲ ኻህናት ኣብ ኣገልግሎቶም ብሞሳ ኺከናኸንዎም ዓደምዎም።

"ብሕብረት ንሰማይን ምድርን ነሕብሮ ኢና" በሉ። "ኣብ ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያን እዚ ሓባራዊ ክህነት እዚ ነቶም ትሑታት የብርሆም ንውሉድ ወለዶ ድማ ሓደ ይገብረና ብሩኻት ተባሂልና ንኽጽዋዕ ድማ የኽእለና" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ሢመት 11 ሓደስቲ ካህናት ሰበካ ሮማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
02 Jun 2025, 16:04