MAP

Notre-Dame Cathedral reopens in Paris Notre-Dame Cathedral reopens in Paris  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ንፈረንሳውያን ኻህናት ለጋስ ፍቕሪ ከዘትሩ ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ከቢታት ከተማ ፓሪስ ንዘገልግሉ ዘለዉ ካህናት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታትን ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን እውን ከይተረፈ ሕውነትን ሓድነትን ከማዕብሉ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ከባቢታት ከተማ ፓሪስ ዘገልግሉ ዘለዉ ጳጳሳትን ካህናትን፣ ብምኽንያት ኢዮቤል ተስፋ ዝገርዎ ንግደት ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 መልእኽቲ ተቐበሉ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ካቴድራል ኖተር-ዳም ተነበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት  ኣዋጅ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን “መዓርገ ክህነት” ዘኪሮም፣ እዞም ካህናት ናይ ሸሞንተ ሰበኻታት ዞባ ኤይል እቲ ፈረንሳ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ እዛ ሰንበት የስተንትኑ ኣለዉ።

ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ብላንሸት ብዓል ክሬቲል ኣብዚ ቀረባ እዋናት በዓል መዚ ተልእኾ ወንጌላውነት ፈረንሳ ኮይኖም እተሾሙ ዘንበብዎ ብርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተጻሕፈ መልእኽቲ፣ ከምዚ ይብል፦  "ኣባታዊ ፍቕረይ ክገልጸልኩምን ነቶም ብሕድሪ እተዋህቡኹም ህዝቢ ኣምላኽ ኣገልግሎትኩም ንኽትቅጽሉን ልባዊ ምትብባዕ ከቕርበልኩም ብምኽኣለይ ሓጐስ ይስምዓኒ”።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዞም ካህናት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣጸጋሚ ዅነታትን ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ኵነታት ኣጸቢቖም ኸም ዚፈልጥዎ ውን ኣረጋገጹሎም።

ከምቲ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘዘኻኽሩና ንህይወቶምን ኣገልግሎቶምን ኣብቲ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ ዝያዳ ድልዱልን ብሕታውን ሓቀይናን ርግጸይናን ፍቕሪ ከምኡውን ኣብቲ "ንማሕበረሰብኩም ብልግስን ብዘይ ቅድመ ዅነትን እተገልግሉሉ ፍቕሪ" ክትስርትዎ ጻውዒት ኣቕርበልኩም ኣሎኹ በልዎም።

ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሎም "በዚ ኸምዚ ዋላ እውን ገና ቅዱሳን እንተ ዘይኰንኩም እሙናት ክትኰኑ ኢኹም፣ ንልቢ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽትትንክይዎ እምንቶኦም ክትረኽቡ ምስ ኢየሱስ ንኺራኸቡ ድማ ክትሕግዝዎም ኢኹም" በሉ። "ኣብ መንጎኹም ናይ ካህናት ሕብረት ክትምስርቱ ምስ ጳጳሳትኩም ጥቡቅ ርክብ ክትህልወኩም ከምኡውን ምእንቲ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ከየባተኽኩም ክትጽልዩ እዕድመኩም ኣለኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም መንፈስ ቅዱስ "ነቲ በታ እተሰየምኩምላ ዕለት ንጐይታ ዝገበርኩምዎ ልግሲ ዝመልኦ ወፈያ በብመዓልቱ ንኸተሐድሱ ኺሕግዘኩም" ጸለዩ።

ነቶም ካህናት ድማ ዕቝባ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኸምኡውን ንዅሎም እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ቕዱሳን ካህናትን ጳጳሳት ፓሪስ ኬማልዱሎም ብምምሕጻን መልእኽቶም ደምደሙ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ምልሉእ መዓልቲ ካህናት ዞባ ኢልይ ፈረንሳ መንፈሳዊ ሱባኤ ንምክያድ ካብቲ ዘገልግሉሉ ዝለዉ ሸሞንተ ሰበኻታት ክእከቡ ጻውዒት ቀረበሎም። ገለ ኻብዚ ድማ ነቲ ብ1965 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ብዛዕባ ኣገልግሎትን ህይወትን ካህናት ዘውጽኦ ኣዋጅ ሰነድ ጉባኤ ብዛቲካን ምስትንትና ዘጠቓል ሱባኤ ኢዩ ዝነበረ።

ድሕሪኡ ንንግደት ዓመተ ኢዮኔል ተስፋ ንምክያድ ድሕሪ ቐትሪ ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ኣብ ካቴድራል ኖተር-ዳም ተኣከቡ።

06 Jun 2025, 16:20