MAP

2025.06.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ሚለይ ተራኺቦም 2025.06.07 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ሚለይ ተራኺቦም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኣርጀንቲና ሚለይ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 7 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኻቪየር ሚለይ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ርክብ ቅዱስነቶም ንሰላም ዝድግፍ ህጹጽ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 7 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኻቪየር ጀራርዶ ሚለይ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓብረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፣ ርእሰ ብሔር ሚለይ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ምክትል ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን የኔታ ሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾውስኪ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ሓቢሩ ኣብዚ ክሌኣዊ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኣርጀንቲናን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም እተሰመረሉን እዚ ርክብ እዚ ዝያዳ ንምድልዳል ክሌኣዊ ድልየት ከም እተረጋገጸን፣ ቀጺሉ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝምልከቱ ማለት ከም ማሕበረ - ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ተወፋይነት ማሕበራዊ ምትእስሳርን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከም እተመያየጡን ኣመላኺቱ፣

"ኣብ መወዳእታ" "ገለ ዞባውን ኣህጉራውን ማሕበረ - ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎም ኣርእስታት መሰረት ገይሮም ድሕሪ ምዝታይ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረአ ዘሎ ግጭታት ፍሉይ ኣቓልቦ ገይሮም፣ "ንሰላም ዝድግፍ ኣገዳስነት ህጹጽ ጻዕርታት” ከም ዘቃልሑ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ሚለይ
07 Jun 2025, 17:33