ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፣ ኣብ ዕለተ ልደት ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ተሳቲፎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ትማሊ ሰንበት ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ካብቲ ኣብ ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪ ኣህጉራዊ ኮሌጅ ቅድስቲ ሞኒካ ንዝነብሩ ኣጐስጢኖሳውያን ኣሕዋቶም በጺሖም ምስኣቶም ተመሲሖም። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ንስድራቤታት ቈልዑ ኣቦሓጎታት እኖሓጎታት ከምኡውን ሽማግሌታት ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ድሕሪ ምዝዛሞም፣ ናብቲ ኻብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ተማሃሮን መምህራንን ናይቲ ተቅዋም ሥነ ኣበው ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ኣጐስጢኖሳውያን በጺሖም ። እቲ ኣጋጣሚ - መበል 70 መዓልቲ ዕለተ ልደት ናይቶም ጠቕላሊ ሓለቃ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ክቡር ኣባ ኣሌኻንድሮ ሞራል ምኽንያት ብምግባር እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንምባል ዝገበርዎ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ።
ኣብ ሮሜ እተመስረተ ዕርክነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣቦ ኣሌኻንድሮን ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ዕርክነት ዘለዎም ኢዮም። ክቡር ኣባ ሞራል ብዕለት 1 ሰነ 1955 ኣብ ላ ቪድ ስጳኛ ተወሊዱ፣ ብ1980ታት ንመጀመርታ ግዜ ምስቶም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ ኣብ ሮማ ኣብ ኮሌጅ ቅድስቲ ሞኒካ ተራኸቡ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽልቲኦም ተማሃሮ ኢዮም ዝነበሩ - ኣባ ሮበርት ፕሪቮስት ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኳይናስ ሕገ ቀኖና የጽንዑ ነበሩ፣ ኣባ ሞራል ከኣ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ቅዱሳት መጻሕፍትን ከምኡውን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበበ ግረጎሪያን ሥነ መልኮታዊ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ይከታተሉ ነበሩ።
ብ1985 መገዶም ተቐያየረ ። ብ1982 ኣባ ፕሪቮስት ክህነት ተቐቢሎም ኣብቲ ኣብ ቹሉካናስ ፒዩራ ፔሩ ዝርከብ ናይ ኣጉስቲን ተልእኾ ሰብከተ ወንጌል ከገልግሉ ተላእኩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባ ሞራል ትምህርቱ ምስ ወድአ ናብ ስጳኛ ተመልሱ ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ሮሜ እንደገና ተራኸቡ፣ ኣብቲ ናይ 2001 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስቲኖሳውያን ድማ እንደገና ተራኸቡ።
እተፈላለየ መገድታትን ነባሪ ማእሰር ዕርክነትን
ኣባ ፕሪቮስት ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኮይኖም ምስ ተመርጹ ንክቡር ኣባ ሞራል ከም ምኽትል ሓለቓ ማሕበር ኮይኖም ከገልግሉ መዘዝዎም፣ እዚ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ዝቐጸለ ምሕዝነቶም ኢዩ ዝነበረ። ንዓሰርተው ክልተ ዓመት ብሓባር ኣገልገሉ፣ ማእሰር ዕርክነቶም ድማ ደልደለ። ጸኒሖም ኣገልገልቶም እተፈላለየ ኣንፈት እኳ እንተ ወሰደ ዕርክነቶም ግን ጸኒዑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ ። ብ2013 ኣባ ፕሪቮስት ኣብ መደምደምታ ኣገልግሎቶም ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ዝነበሩሉ እዋን ናብታ ኣብ ቺካጎ እትርከብ ኣውራጃ ኦገስቲኖሳውያን ተመልሱ፣ ኣባ ሞራል ከኣ መበል 97 ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኰይኖም ተመርጹ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባ ፕሪቮስት ሓዋርካዊ መስተናብር ናይቲ ኣብ ፔሩ ዚርከብ ሰበኻ ቺክሊዮ ሸምዎም፣ ጸኒሖም ድማ ንጵጵስና መዘዝዎም። እንተዀነ ግን እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣዕሩኽ ዝነበረ መንፈሳዊ ዕርክነት ኣብቲ ማሕበረሰብ "ብሓደ ልብን ብሓደ ኣእምሮን" ዝጕዓዝ ዝነበረ ናይ ኦጐስጢኖሳውያን ፍጹም ናብራ ኢዩ ነይረ፣ እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኦጐስጢኖስ ኣብ መጽሓፉ ከም ዝጸሓፎ ንኣምላኽ ኣብ ምድላይ ሓድነት ከም ዝነበሮ ዝሕብር ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "እቲ ንሓቂ ዝረኸባ ሰብ ንኻልኦት ከካፍላ ይኽእል ኢዩ።" (ሶሊሎኲስ ቀዳማይ 12, 20-13, 22)።