ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'እግዚኣብሄር ምስቶም ካብ ክፉእ መንፈስ ሓራ ዘውጽኦም ዓበይቲ ነገራት ይገብር'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ዕጸፋርስን ወልፍን ንስኻትኩም ብዝተፈላለየ መንገዲ እትፈልጥዎን እትቃለስዎን ዘይርአ ቤት ማሕቡስ እዩ፡ ኩላትና ናብ ናጽነት ዝተጸዋዕና ኢና!” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት 26 ሰነ ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ኣንጻር ምጥቃም ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ቅዱስ ዳማሶ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም ነቲ ኣኼባ፣ ብፍላይ ኣብቲ "መብዛሕትኡ ግዜ ዝነከየ ወይ ዝኽልከል ክብሪ ንኹሉ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ" ተኻኣሊ ንዝገበሩ ኣመስጊኖም።
ዓለምለኸ መዓልቲ ኣንጻር ምጥቃም ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣወጀ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ንሕብረተሰብ ዝውክሎ ዓቢ ጸገም ንቕሓት ንምዕባይ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ እቲ መዓልቲ ካብ ምጥቃም ዕጸፋርስ ነጻ ዝኾነት ዓለም ንምዕዋት ዓለማዊ ስጉምትን ምትሕብባርን ንምሕያል ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብወፍርታት፡ ትምህርታዊ ፍጻመታትን ምጥቃምን ምንቅስቃስን ዕጸፋርስ ንምክልኻል፡ ሕክምናን ሕውየትን ንምድጋፍ ዝግበር ጻዕርታት ሕብረተሰብን ዝልለ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነዚ ተርእዮ ንምግጣም መላእ ሕብረተሰብ ምውዳብ ከምዘድሊ ብምግላጽ፡ ዓለም "ምስክርነትኩምን ትገብርዎ ዘለኹም ዓቢ ስራሕን የድልያ፣ ኣብ ጎደናታት ዝጅምሩን ንማንም ሸለል ዘይብሉ ቦታታት ፈውሲ፡ ርክብን ትምህርትን፡ መንገድታት ጉስነትን ማሕበራዊ መምርሕታትን እናስፋሕና ብሓባር ንቕድሚት ንሰጉም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኢየሱስ ንሓዋርያት ዳግማይ ፈጢርዎም እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ወልፊ ዝቃለስ ኩሉ ሰብ "ከም ጭርሖ" ዘይኮነስ "ብዓቢ ጻዕሪ ዳግማይ ዝተረኽበ ብርሃን" ከምኡ'ውን በቲ ጎይታ ንኹላትና ዝሃቦ ለውጢ ዘምጽእ ናይ ሰላም ቃላት ዝተረጋገጸ ተስፋ ክዕቅብ ሓቲቶም፣ ኢየሱስ ነዚ ሰላም እዚ ነቶም ብለይቲ ፋሲካ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ተሓዲግና ቢሎም ፈሪሖምን ተስፋ ቆሪጾምን ተዓጽዮም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዘብጽሖም ዘኪሮም፣ "ንሳቶም ዘይኮኑ ኢየሱስ እዩ መሊሱ ዝረኸቦም፡ ዳግማይ ክደልዮም ዝመጸ ንሱ ከም ዝኾነን ዋላ'ውን ማዕጾታት ተዓጽዮም፡ ናብቲ ብህይወት እንከለዉ ዝተቐብሩሉ ቦታ ሰላም ኣምጺኡ፡ ብምሕረቱ ዳግማይ ፈጢርዎም፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ትንፋስ ኣምላኽ ዝኾነ መንፍስ ቅዱስ ጸገዎም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣረኣእያ ምስ ዝጎድለና ኢየሱስ ናባና ይመጽእ
"ኣየር ምስ ዝጎድለና፡ ኣረኣእያ ምስ ዝጎድለና፡ ክብረትና ይነቅጽ . . . እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ ሕጂ'ውን መጺኡ ትንፋሱ ከም ዝህበና ኣይንረስዕ! . . . መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ክንዮ እቲ ዕጹው መዓጹና ዝኸዱን እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ ነቲ ዝረስዕናዮ ወይ እተኸልከልናዮ ኽብረት ዝርእዩን ሰባት ኣቢሉ ከምኡ ኸም ዚገብር ኣይንረስዕ ። ዋላ እውን ዕጸፋርንስ ወልፍን ንስኻትኩም ብዝተፈላለየ መንገዲ ትፈልጥዎን ዝተቓለስኩምን ዘይርአ ቤት ማሕቡስ ይኹን፣ ኩላትና ናብ ናጽነት ዝተጸዋዕና ኢና፥”
“ኣየር ምስ ዝጐደለና፡ ኣረኣእያ ምስ ዝጐድለና፡ እቲ ተንሲኡ ዘሎ ኢየሱስ ሕጂ’ውን መጺኡ ትንፋሱ ከም ዘምጽእ ኣይንረስዕ”
ኣምላኽ ቀረባይ እዩ
ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ "ብክርስቶስ ጥራይ እዩ ልበይ ቅሳነት ዝርከብ" ብምባል ከም እተኣመነ፣ እከይን ምጕዳል ፍትሕን ንምስናፍ እቲ ምስ ኣምላኽ ክህልወና ዘለዎ ሓድነት ከም ዝሓትት ኣዘኻኺሮም፣ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝፈጠረን ዝፈልጥን ኣምላኽ ካብ ነብሰይ ንላዕሊ ይቐርበኒ!” . . .
ተስፋ ምቑራጽ ምውጋድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ዝኾነ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰብ በቲ ብዙሕ ዓይነት ወልፊ ተኣሲሩ ክሳብ ዘሎ" እቲ ዝካየድ ቃልሲ ጸረ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወልፊ "ክግደፍ ዝከኣል ኣይኮነን" እንክብሉ ኣመልኪቶም፡ ካብቶም ዕጸፋርስን ካልእ ዓይነት ውልፍታትን ተጠቒሞም ዕድላት ንግዲ ዝፈጥሩ ሰባት እውን ኣጠንቂቖም፣ ብፍላይ ከኣ መንግስታት እቲ ሰፊሕ ኣቓልቦ ረብሓታትን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ገበን ማሕበራትን ንምቅላስን ንምውጋድን ግዴታ ኣለዎም - ቢሎም - "ከተማታትና ካብ ዝተገለሉ ሓራ ክወጻ ኣየድልየንን እዩ፡ ካብ ምግላል እምበር፡ ካብ ተስፋ ዝቖረጹ ዘይኮነስ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ክላቐቓ ኣለወን" ኣንክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናይ ርክብ ባህሊ "ከም መንገዲ ሓቀይና ድሕነት" የርእየና ብምባል፡ መንእሰያት ናይቲ ኣዝዩ ዘድሊ ተሓድሶ ተቐበልቲ ከይኮኑ፡ እንታይ ደኣ "ዋናታት" ክኾኑ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እግዚኣብሄር ምስቶም ካብ መንፈስ ክፍኣት ሓራ ዘውጽኦም ዓበይቲ ነገራት ይገብር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እግዚኣብሄር ምስቶም ካብ ርኹስ መንፈስ ሓራ ዘውጽኦም ዓበይቲ ነገራት ይገብር" እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡
“እግዚኣብሄር ምስቶም ካብ ክፉእ ሓራ ዘውጽኦም ዓበይቲ ነገራት ይገብር ... ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ”
ስለዚ በዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኢየሱስ ከመይ ከም ዝተነጽገን ካብ ኣፍደገ ከተማ ወጻኢ ከም ዝተሰቕለን ኣጉሊሖም . . . "ኣብ ልዕሊኡ፡ እግዚኣብሄር ንዓለም ዳግማይ ዝሃንጸሉ እምነ ኩርናዕ ገበሮ፣ ንስኻትኩም እውን ኣብ ህንጸት ሓድሽ ሰብኣውነት ክቡራት ኣእማን ኢኹም" እንክብሉ ኣተባቢዖም፥
ኣድላዪ ኢኻ
ንቤተ ክርስቲያን፡ ሰብኣውነት፡ ትምህርትን ፖለቲካን እተድልዩ ኢኻትኩም - ቢሎም - ብሓባር ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ዘዋርድ ወልፊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሰቕለ ደረት ኣልቦ ክብሪ ከም ዝስዕር ክንገብር ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።