ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ቅድስና ሰበ ስልጣን ኵርያ ቅድስቲ መንበር የጽንዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንናይ ቅድስቲ መንበር እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 9 ሰነ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝሓበሩን፡ እቲ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ቅድስቲ መንበር ኣባል ማሕበር ደናግል ቅዱስ ቁርባንን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን እናቴ ማርያ ግሎሪያ ሪቫ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዘቕረበኦ ኣስተንትኖ ተበጊሱን ስዒቡ እውን ላዕለዎት ኣካላት ኵርያ ሮማናን ሰራሕተይናታት ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ዝተሳተፍዎ ቅዱስ ኣቦና መስቀል ሒዞም ዝመርሕዎ ስነ ስርዓት ምሕላፍ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተፈጸመ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝመረሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ብናይ ኩርያ ሮማና ላዕልዎት ኣካላት ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ "ቅድስቲ መንበር ብኣዝዩ ፍሉይ መንገዲ ማለት ብኽልተ ማርያማውያን ቅዱስ ጴጥሮስውን ሓባራዊ ህላወ እያ እትነብር . . . ብኣደነታ፡ ህያብ ክርስቶስን መንፈሳን።" እቲ ማርያማውነት ንፍረን ቅድስናን ጴጥሮሳውነት የረጋግጽ” ከም ዝበሉን እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መዓልቲ ኢዮቤል ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዓቢይ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣብ እተብዕሎ በዓለ እመ ቤተ ክርስቲያን ዝወዓለ እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፡ ኢየሱስ ንኣዲኡ ካብ መስቀል ንፍቑር ወደ መዝሙር ኣሕሊፉ ከም ዝሃባ ብምዝኽካር፣ ፍረ ቤተ ክርስቲያን "ባዕሉ ናይ ማርያም" ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብ ህይወት ውልቀ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዝግሃድ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን፡ ከምቲ ኣብ መስቀል ዝተመኮሮ፡ ፍቕሪ ኢየሱስ ክነብር ዝተጸውዐ እዩ . . . እዚ ፍረ ማርያምን ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቅድስናኣ ማለት ምስ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ብዘይፍለ መንገዲ ዝተኣሳሰር እዩ - ቢሎም - ቅድስቲ መንበር ከም ቤተ ክርስቲያን ካብ መበቆላዊ ሕመረታ ቅድስቲ ዝኾነት፣ ቅድስቲ እያ፣ ኣብ ኩሉ ኣካሊታ!፣ ሓዋርያዊ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ኣናስር ቅድስና ይሕሉ፥ ልክዕ በቲ ቅዱስና ከም ዝሕሎ . . . ብቅድስና ነፍሲ ወከፍ ኣባላታ እውን ትነብር፣ ስለዚ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንቅድስቲ መንበር ንምግልጋል፡ ነፍሲ ወከፍና ከከም ኩነታቱን ዝተዋህቦ ዕማምን ቅዱሳን ክንከውን ምጽዓር እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ኣገልግሎቱ ከቢድ ውልቃዊ ጾር ዝተሸከመ፣ ኣብ ዝተመደቦ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዝከኣሎ መጠን "ብፍቕርን ብእምነትን" ስርሑ ዝፍጽም ካህን ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፣ ሓደ ናይ ቤቱ ጸገም ዘለዎ ካቶሊካዊ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጠ፣ ዕዮኡ ብተወፋይነ ከሳልጥ እንከሎ፣ ፍረ ማርያምን ቤተክርስትያንን ይምስክር” ከም ዝበሉን፣ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣
ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ፣ ኣብ ጸርሓ ጽዮም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ክወርድ እንከሎ ማሪያም ምስኦም ሓቢራ ከም ዝነበረት ኣስተብሂሎም . . . እዚ ድማ ኣደነት ማርያም ነታ ትወልድ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ እዩ . . . ኣብ ኩሉ ግዜን ቦታን ህልው ዝኾነ 'ዓይነተይናዊ' ኣደነት እዩ . . . ።
ፍረ ቤተ ክርስቲያን፡ ኩሉ ግዜ ምስቲ ካብቲ ዝተወግአ ልቢ ኢየሱስ ዝፈሰሰ ጸጋ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ካብ ዝተወግአ ልቢ ኢየሱስ ዝፈሰሰ ደምን ማይን፡ ድማ "ምልክት ምስጢራት" እያቶም እንክብሉ ምስ ኣብርሁ . . . ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምምልካት፣ ኣደ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝመርሓሉ እዋን እውን እንተኾነ ንኣገልግሎት ተኸተልቲ ጴጥሮስ ብማርያማዊ መንፍሳዊ ህያብ ኣቢላ ተጽንዖ” እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰራሕተይናታትን ሰበስልጣንን ቅድስቲ መንበር ቃል እግዚኣብሔር ስጉምትታቶም ዘብርህ መብራህቲ ክኸውን ዓዲሞም . . . "ኦ ኣቦ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተደገፈት ቤተ ክርስቲያንካ ብመንፈስ ዝያዳ ክትፈርን ብቅድስና ደቃ ክትሕጎስን ንብምልኡ ስድራቤት ደቂ ሰባት ኣብ ማህጸና ክትእክብን ኣኽእላ" ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።