MAP

2025.06.04 Udienza Generale 2025.06.04 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ትርጕም ህይወት ንምርካብ፣ ናብ ኣምላኽ ተመልሱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ፣ ኣምላኽ ንጽውዓኡ ምላሽ ንምሃብ ክሳዕ ክንደይ ደንጒና ኸም ዘለና ብዘየገድስ፣ ብኽፉት ኣእዳው ከም ዚጽበየናን ከምኡውን ንመንእሰያት ኣብ ሃብዎ ምሕጽንታ ትርጕም ህይወት ኪረኽቡ እንተ ሊኹም፣ ኣምላኽ ክገልጸልኩምን ፈጺሙ ኸም ዘየጕህየኩም ዘክሩ ክብሉ ተላበውዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣምላኽ ከቶ ኣይሕለልናን ኢዩ፣ ኵነታትና ተስፋ ዘቝርጽ እኳ እንተ መሰለና፣ ክንግምቶ ዘይንክእል እኳ እንተ መሰለና፣ ክቕበለናን ንህይወትና ትርጕምን ተስፋን ክህበና ወትሩ ድሉው ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ እተኻየደ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ፣ ነቲ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እተወፈየ ተኸታታሊ ኣስተምህቶታት 'ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ' ዘርእስቱ ብምቕጻል ናይ ዕለቱ ኣስተንትኖ ኣካፈሉ።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝተዓስቡ ሰራሕተኛታት ንዝመሰሎ ምስላ ተቒሶም ኣስተንተኑ። ብመሰረት ቅዱስ  ማቴዎስ ወንጌላዊ፣ እቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ዝተጸውዑ ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፉ ተመሳሳሊ ደሞዝ ዝሃቦም በዓል ግራት፣ ነቶም ካብ ካልኦት ጸኒሖም ዝመጹ እቲ ጐይታ ዘርኣዮም ዓብዪ ምሕረት ኣመልኪቶም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፣ እቶም ፈለማ እተዓስቡ ዓየይቲ ብኸመይ ከም ዝጐሃዩን፣ ሰናይ ተግባር ናይቲ ዋና ግራት ክርእዩ ብዘይምኽኣሎምን ከም ዝጐሃዩን ዘከሩ፣ እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ገለጹ - እቲ በዓል ግራት "ዘይፍትሓዊ ኣይነበረን የግዳስ ለጋስ ኢዩ ዝነበረ። ንረብሓ ጥራይ ዘይኰነስ ንሽግሮም እውን እዩ ዝርኢ ዝነብረ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ምሉእ ህይወት ክህቦም ይደሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ንኽንምርምር ብድሆ ኸም ዘቕርበልና ውን ሓሳብ ኣቕረቡ።

ቅዱስ ኣቦ ኸም ዝገለጽዎ ነቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ "ማለት ንኣምላኽ " ፍትሒ ኺበሃል ከሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብህይወት ንምንባር ዜድልዮ ክቕበል ኣለዎ ማለት እዩ፣ ነቶም ዓየይቲ ብብሕቲ ኸም ዝጸውዖምን ክብረቶም ከም ዚፈልጦምን ከከም ክብረቶም ኪኸፍሎም ከም ዝደሊ እውን የስተንትኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ብኣድናቖት ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ "ምሉእን ዘለኣለማውን ባህ ዘብልን ህይወት" ዘለዎ መንግሥቱ ኽህቦም ዝፈቐደ ኣስተንተኑ።

"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና እውን ከምኡ እዩ ዚገብረልና፣ ንሱ ደራጃትት ኣይሰርዓልና እዩ" ውን በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ድማ "ንዝዀነ ይኹን ልቡ ዝኸፍተሉ ሰብ ኵሉ ገዛእ ርእሱ ይህብ እዩ " ክብሉ ውን ብምርግጋጽ መስከሩ።

ነዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ግዜና ሓደ ሓደ ክርስትያን "ስለምንታይ ኢኻ ኣቀዲምካ ስራሕ እትጅምር? እቲ ዓስቢ ሕደ ካብ ኮነ ስለምንታይ ዝያዳ ኽትዓዪ ትደሊ?" ክብሉ ይሓስቡ፣ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ነዞም ጥርጣረታት እዚኣቶም ምላሽ ከም ዝሃቦም ብምስትንታን ድማ ቅዱስነቶም ከምዚ በሉ፡ “እሞ ንምንታይ ደኣ ነቲ ዝጽውዓካ ክትስዕቦ ትደናጐ፡ ብዛዕባ እቲ ዓስቢ ርግጸኛ ካብ ኮይንካ ግን ከኣ ብዛዕባ እቲ መዓልቲ ርግጸኛ ካብ ዘይኮንካ፣ ከምቲ ተስፋኡ ዚህበካ ካብ ኮነ ብምድንጓይካ ንርእስኻ ከይትስእኖ ተጠንቀቕ።"

እጅገኻ ዓጺፍካ ተዓጠቕ ኣምላኽ ኣይኬጕህየካን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ቅድሚ ምብጽሖም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ገለ ነገር ክምዕድዎም ከም ዝደልዩ ገለጹ።

"ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኽንሰርሕ ዝጽውዓና ጐይታ ብውዕዉዕ ስምዒት ምላሽ ሃበሉ ደአ እምበር ኣይትደንጉዩ" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ጐይታ ለጋስ ስለ ዝዀነን ስለ ዘየጉህየናን እጅገኹም ዓጺፍኩም ተዓጠቁ" በሉ።

ኣምላኽ ንትርጕም ህይወትካ መልሲ ክህካ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ "ኣታኽልቲ ወይኒ" ኣምላኽ ብምዕያየይ "ነታ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ' ትርጕም ህይወተይ እንታይ እዩ? ' ዝብል ዓሚቝ ሕቶ መልሲ ኽትረኽቡ ኢኹም" ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ተስፋ ኣይንቝረጽ! ኣብቲ ጸልማት ዝኾነ እዋናት ህይወት እውን ከይተረፈ፣ ነቲ እንደልዮ መልሲ ከይረኸብና ግዜ ከይሓለፈ ንጐይታና እንደገና ወጺኡ ኣበይ ከም እንጽበዮ ዘለና ከፍልጠና ንልምኖ፣ ከመይሲ "ንሱ ለጋስ ኢዩ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ክመጽእ ኢዩ!" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)
04 Jun 2025, 15:26