ር. ሊ. ጳ.፦ ናብ ኢየሱስ ናብቲ ተስፋና ንኺድ! ንሱ ኬሕውየና ይኽእል እዩ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብ ህይወት ጓህን ተስፋ ተስፋ ቍርጸትን ዘጓንፈና እዋናት ኣሎ፣ ሞት እውን ከይተረፈ የጓንፈና ኢዩ። ካብታ ሰበይቲ እቲኣ፣ ካብቲ ኣቦ እትን ንመሃር ፦ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ንኼድ፦ ንሱ ከሕውየናን ኬተንስኣናን ይኽእል እዩ። እንኮ ተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ!"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ከምዚ ክብሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሱስ ምግባር ዘለዎ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ዝገልጽ ክልተ ተኣምራታት ብምስትንታን፣ ብዛዕባ ፍረ ነገር ዓመተ ዕልታ ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ቀጸሉ።
ብምሉእ እመንት ኣብ ክርስቶስ እተረኽቡ ኽልተ ተኣምራታት
ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተዘንቲዩ ዘሎ ናይ መጀመርታ ተኣምር ሓንቲ ሰበይቲ በቲ ብማሕበረሰባ ከም ርኽስቲ ንኽትግለል ዝገበራ ሕማም ድሕሪ ምስቓያ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ግና ንኸሕውያ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ትኣምን ነበረት። ስለዚ ብመንጎ እቶም ህዝቢ ሓሊፋ ኽትትንክፎ ተበገሰት ኢየሱስ ከኣ ብምኽንያት እምነታ ፈወሳ፣ ከምዚ ድማ በላ - "ጓለየ እምነትኪ ኣሕውያትኪ ኢያ። ብሰላም ኪዲ" በላ።
ኣብታ ኻልአይቲ ተኣምር ድማ ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ወንጌሉ ከም ዝገለጾ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓንቲ ንእሽቶ ጓል ካብ ሞት ኣተንስኣ፣ ነቲ ጓሉ ኸም ዝሞተት ምስ ሰምዐ ዝሓዘነ ኣቦ ዘቕረቦ ልመና ድማ ምላሽ ሃበሉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ "እመን ደዓ እምበር ኣይትፍራህ” በሎ፣ ናብ ቤት እቲ ሰብኣይ ከይዱ ድማ ኵሉ ሰብ ኪበክን ክሓዝንን ከሎ ምስ ረኣየ "እዛ ጓል ደቂሳ ኢያ ዘላ ደኣ እምበር ኣይሞተትን" በሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ እዚ ኽልተ ፍጻመታት እዚ ብምትእምማንን ብእምነትን ናብ ጐይታ ክንቀርብ ከለና ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘየልቦ ሓሳብ ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ፣ ንስጋዊ ሞት ከም ድቃስ እዩ ዝገለጾ። እቲ ሓቀይና ሞት ዝበሃል ናይ ነፍሲ ሞት እዩ፣ ካብዚ ድማ ክንፈርህ ይግብኣና ኢዩ" በሉ።
ንህይወትና ካብ ውሽጢ ምቕያር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም እውን፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ጓል ምስ ኣተንስኣ ንወለዳ ዝብላዕ ክህብዋ ከም ዝነገሮም ገለጹ፣ እዚ ድማ ኢየሱስ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ቅርበት ዝሕብር ካልእ ጭቡጥ ምልክት ምዃኑ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ብዝያዳ ምእንቲ ክንርድኦ፣ ንገዛእ ርእስና ውን ከምዚ ኢልና ኸም እንሓትት ይገብሩና - "ደቅና ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘለዉሉን፣ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ዜድልየሉን እዋን፣ ብኸመይ ከም እንቐርቦም እንሓልየሎምን ንፈልጥ ዲና? ንሕና ንባዕልና ብወንጌል ዘይንምገብ እንተ ደአ ዄንናኸ ከመይ ጌርና ኢና ንኻኦት ክንምግብ እንኽእል?"
ቅዱስ ኣቦ ንነፍሲ ወከፍ ተኣምር ብምስትንታን ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ኪዓናቕፎ ብዘይምፍቃዶም ነቲ ጽንኩር ኵነታቶም ኪፈትሕዎ ኸም ዝፈቐዱ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እዚ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ጸጋ ግና ብምስጢርን ብሓቅን ትበጽሓናን ንህይወትና በብቝሩብ ካብ ውሽጢ እትቕይርን እያ" በሉ።
ንሱ ኬሐድሰና እዩ
መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ሰባት ንእምነት ቀልጢፎም ከም ዘይረኽብዎ ቅዱስ ኣቦና ሓሳባቶም ኣካፈሉ።
"ምናልባት ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓይሉ ኸይኣመኑ ዕምቈት ብዘይብሉ መገዲ ይቐርብዎ እዮም። ኣብ ዝባን ኣብያተ-ክርስትያንና ንጐዓዝ እኳ እንተ ዀንና ልብና ግን ኣብ ካልእ ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ!"
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦ ዘደነቖም ኽልተ ዛንታት ወንጌል ብምስትንታን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፍውሶ ዘይክእል ዓብዪ ነገር ከም ዘየለ ብምግላጽ፣ ንሱ ስለ ዘሐድሰና ኸኣ ብእምነት ናብኡ ክንቀርብ ከም ዘለና ተላበው።