MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንጳጳሳት ኢጣልያ፦ 'ንኢየሱስ ዘማእከለ እምነት ነመሓላልፍ ኣለና' በልዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ ንእምነት ናይ ምስባኽን ናይ ምምሕልላፍን ቀንዲ ሓላፍነቶም ክቕበሉን፣ ንክርስቶስ ከኣ ወትሩ ግንባር ቀደም ገይሮም ሰላም ከማዕብሉን ብሓባር ክዓዩን ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ዕለት 17 ሰነ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ኣደራሽ ቡራኬታት፣ ንካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኢጣልያ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያን ተቐቢሎ ኣዘራረብዎም ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፦

"እምነት ንምእዋጅን ንምምሕልላፍን ሓድሽ መንፈሳዊ ስምዒት የድሊ። እዚ ኸኣ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ምግባር ማለት ኢዩ" ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎም ሓሳትባት "ንሰባት ምስ ጐይታ ብሕታዊ ርክብ ንኺምስርቱ ምሕጋዝ" ማለት  ነቲ ናይ ወንጌል ሓሴት  ዝተሰምየ ናይቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምስዓብ "ሓጐስ ወንጌል ምእንቲ ኺረኽቡ" ዝቐርበሎም ጻዊት ከም ምዃኑ ኣመልከቱሎም።

"እዚ ኸኣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ምግባር ከምኡውን ነቲ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ዝተሰምየ ሕዋርያዊ ምዕዳን ዘመልክተልና መገዲ ምስዓብ፣ ንሰባት ምስ ጐይታ ብሕታዊ ርክብ ንኽህልዎም ምሕጋዝ ማለት ኢዩ፣ ስለዚ ሰባት ናይ ወንጌል ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።"

ናብ መሰረት እምነትና ምምላስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ እተበታተነ ዓለም ንነብር ከም ዘሎና ብምዝካር "ናብ መሰረት እምነትና ናብ ከሪግማ (ስብከተ ወንጌል)" ኽንምለስ ጻውዒት ኣቕረቡ።

እዚ ንኹልና ዝድርኸና ናይ መጀመርታ ዓቢ ተጸምዶ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ፣ እዚ ድማ "ነቲ ሓዋርያዊ ተልእኾ ብምሕዳስን ብምክፋልን ናብ ሰራውር ደቅሰብ ንክርስቶስ ንምእታው" ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኢጣልያውያን ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ንብስራት ወንጌል ናብ ኵሉ ሰብ ዜብጽሑሉ መገድታት ኬስተውዕሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም ፣ እዚ ኸኣ "ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ንምብጻሕ ዜኽእል ናይ ጕስነት ተግባርን" ከምኡውን "ኣገባብ ትምህርተ ክርስቶስ ንምሕዳስን ቋንቋ ስብከተ ወንጌል ዝምችእ መሳርሒታት ዝሓዘን" ንምምዕባል ኢዩ።

'ንዑ ናብኡ ንቕረብ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ብሓጐስ ልብናን ብመዝሙር ከናፍርናን" ሓቢሮም ክጕዓዙ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ከመይሲ ኣምላኽ "ካብ ድኻምነትና ይዓቢ ኢዩ" በሉ።

"ናብኡ ንቕረብ! ኣብቲ ንሱ ዚህበና ደገፍ ንተኣመን" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ወንጌልን ሰላምን ሰብኣዊ ኽብርን ዘተን ብምእዋጅ ንወንጌል እተመልክትን ምልክት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነትን ቤተ-ክርስትያን ክሓንጹ ውን ተላበውዎም።

እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎ ርክብ ኣብቲ ፍረ ነገር ሰላም፣ ጕስነት ንኸነማዕብል እዩ ዚጽውዓና ።

"ጐይታ ናብ ዓለም ክልእኸልና እንከሎ ህያቡ ይህበና ኣሎ። ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን’ ውን ይብለና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ ቍምስናታትን ጐረባብትናን ውሽጣዊ ኽፋላት እዛ ሃገርን ብዛዕባ ኸተማታትናን ህላወናን ከም ዘተሓሳስቦም ብምግላጽ፣ ጥበበይናታት መሳርሕቲ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ገለጹ።

"ሰብኣውን ማሕበራውን ርክባት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉን ግጭት ምስ ዝለዓልን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሰላሕ ኢሉ ኣብ ዝለዓሉ እዋን ውን ከይተረፈ፣ ግሉጽ ናይ ዕርቂ ቤተ-ክርስትያን ክህሉ ኣለዎ" ብምባል ተማሕጸኑ።

ብዘይካዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎኦምን ምቶም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ምትሕብባር ስብከተ ወንጌል ኬስፋሕፍሑን ምስ ሰበኻታት ብምትሕብባር ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ስርዓት ኬንጸባርቑን ተማሕጸንዎም። "ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ CEI ብዛዕባ እቲ ንጥቕሚ ሓባራዊ ጕዳያት ዚምልከት ኣተሓሳስባ ጳጳሳት ዝዝትየሉን ዝማኸረለሉን ቦታ እዩ" በሉ።

ኣብ ባይታ ዘለዉ ብድሆታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብ2006 ዓ.ም. ነታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን "ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ኵነታትን ንዝርከቡ ሰባት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ህያው ሓቂ" ከምኡውን "ክርስትያናዊ ልምድታት መብዛሕትኡ ግዜ ሱር ዝሰደደን ፍረ ዘፍሪሉን" ብምባል ከም ዝገለጽዋ ዘከሩ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብታ ሃገር ዘሎ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ "ምስ ዓለማውነት ምትሕውዋስ፣ ኣብ እምነት ዘይምግዳስን ከምኡውን ምስ ቍጽሪ ህዝቢ እተተሓሓዘ" ሓድሽ ብድሆታት ከጋጥማ ጸኒሑ ኣሎ ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

ይኹን እምበር ቅዱስ ኣቦ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ "ኣይትሸበሩ" እናበሉ ከምኡውን ንሰላም ክዓዩ ዝሃቦም መዘኻኸሪ ደጊሞም ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ "ቤት ሰላም" ክኸውን ከም ዘለዎ ብምዝካር፣ ብዘተ ሰላም "መንፈሳዊ ሕንፍሽፍሽ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ተግባራት እንነብሮ መንገዲ ትሕትና ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እኒ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ሥነ-ህይወታዊ ተክኖሎጂ፣ ቍጠባ፣ መርበብ ሓበሬታ ከምኡውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝኣመሰለ "ንኽብረት ወድሰብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ብድሆታት" ክብሉ ብምጽዋዕ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያን ተመክሮን ኣጸቢቑ ይቕይሮ ኢዩ ዘሎ ክብሉ ኣጠንቀቑ።

"ኣብዚ ዓውዲ እዚ ክብሪ ወድሰብ ክትንከፍ ወይ ክርሳዕ ብዕዮታት፣ አውቶማቲክነትን፣ ምምስሳልን ክትካእ ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ፣ ብፍላይ ከኣ"ሰብ ብስነ ቀመር ቴክኖሎጂ ዝልካዕ  ስርዓት ኣይኰነን - ሰብ ፍጡር፣ ተዛማዲ፣ ከምኡ ውን ምስጢር ኢዩ ።"

ወንጌል ክንሰብኽ እተለኣኽና ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝግበር ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን "ምስ ማእከልነት ኢየሱስ ኣብ ዝሰማማዕ ጕዕዞ፣ ከም ኣድላዪ መሳርሒ ናይ ጕስነት ውዳቤ ገይርካ ዝርአ፣ ስነ-ሰብኣዊ ኣረኣእያ" ዘጠቓልል ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብዛዕባ ሰብ ማለት ብዛዕባ ኣካላቱ፣ ብዛዕባ ተኣፋፊነቱ፣ ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ጽምኢ ከም ዘለዎ፣ ከምኡውን ብዛዕባ ንርክባት ዘለዎ ተኽእሎ፣ ህያው ኣስተምህሮት እንተዘይሃልዩ ስነ-ምግባር ናብ ሕጊ ይቕየር፣ እምነት ከኣ ክትዳኸም ትኽእል እያ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ብሓድነት ንቕድሚት ምስጓም

ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም ቅድሚ ምዝዛሞም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ጳጳስት ኢጣልያ ናብ ጽባሕ ብህድኣት ክጥምቱን፣ ትብዓት ዝመልኦ ምርጫታት ከይፈርሁን ብምምሕጻን፣ ብሓድነት ክግስግሱ ተማሕጸንዎም ።

"ናብ ህዝቢ ኻብ ምቕራብ፣ ህይወት ካብ ምክፋል፣ ምስቶም ትሑታት ካብ ምጕዓዝ፣ ንድኻታት ካብ ምግልጋል ኪዓግተኩም ዝኽእል ወላ ሓደ የልቦን" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም "ወንጌል ካብ ምእዋጅ ኪዓግተኩም ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን" ብምባል ውን ኣስመሩሉ፣ ከመይሲ ኵሉ ሰብ —ቅድም ቀዳድም ንርእስና—ብጽቡቐን ክብርን ንኽንነብርን ሕጉሳት ንኽንከውንን ዜድልየና ነገር እዚ እዩ።'

ንምእመናን ከም 'ቀንዲ ቀለስቲ ኣካላ' መጠን ምቕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ጳጳሳት ኢጣልያ ንምእመናን ብቓል ኣምላኽ ክመ ዝተዓንገሉን ን ኣብ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን እተመስረቱን ከም ምዃኖም ብጥንቃቐ ክዕዘቡ፣ ምእመናን ኣብ ስርሖም ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሆስፒታላት ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ኵነታት ኣብ ቍጠባ ከምኡውን ኣብ ፖለቲካ "ቀንዲ ቀለስቲ ወንጌላውነት" ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ጽን ኢሎም ክከታተልዎም ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣቡናት ኢጣልያ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎሬቶን ዘፖምፐይን ብምውፋይ ከምኡውን ነቲ ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝርከብ ማእለያ ዘይብሉ ቅዱሳት ቦታታት ብሕድሪ ብምውፋይ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ኢጣልያ   (@Vatican Media)
18 Jun 2025, 16:57