ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ሓድነት ንኽህልው ተወፋይነት ደጊሞም የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 29 ሰነ ዝበዓል ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲክን ንዝኣተዉ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡኻት ብምርኻብ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንገዲ ዕርቅን ሓድነትን ተወፋይነት ከምዘለዋ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ድሕሪ ብወግዒ ምጅማር ር.ሊ.ጵጵስናኦም ልዮን መበል 14 ንፈለማ እዋን ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ፣ ብዛዕባ እቲ “ድሮ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ዓሚቝ ሕብረት” ኣስተንቲኖም፡ እቲ ንበዓል ሓዋርያት ጴጥሮስን እንድርያስን በብዓመቱ ክልቲኤን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ በዓል ሓዋርያዊ መንበረን ልኡኻት ናይ ምልልዋጥ ባህሊ፣ “ነጸብራቕ ናይቲ ንሃዋርያ ጴጥሮስን እንድርያስን ዘጠቓለለ ሕውነታዊ ምትእስሳር” ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ኣገዳሲ ፍጻመታት ኤቍመናዊ ኪደት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መንጎ ሮሜን ቍስጥንጥንያን ዘሎ ምቅርራብ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፣ ነቲ ኣብ 1964 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርስቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣጠናጎራስ እተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ነቲ ኤቍመናዊ ዘተ መሰረት ዘንበረ ምዃኑ ብምዝካር፣ ናይቲ ርክብ “ትብዓትን ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለትን" ብሞሳ ዘኪሮም፣ ብፍላይ ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ከምኡውን ልዮን መበል 14 ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተረኽቡ ኣስተሂሎም፣ “ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትና ምሉእ ዝርአ ሕብረት ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ክጸንዕ ዘለኒ ድሌት አረጋግጸልኩም” ብምባል፡ ከምዚ ዝበለ ሓድነት “ብሓገዝ ኣምላኽ ብቐጻሊ ተወፋይነት ንኣኽብሮታዊ ምስማዕን ሕውነታዊ ዘተን ጥራይ ክመጽእ ከም ዝኽእል” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንምትሕብባር ክፉት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓሳባትን ንምትሕብባርን ክፉት ምዃኖም ብምግላጽ “ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንከተቕርብዎ እትደልዩን እትኽእሉን ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ክፉት እየ፣ ኩሉ ግዜ ምስቶም ምሳይ ናይ ምሉእን ርኡይን ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ምስ ዝካፈሉኒ ኣሕዋተይ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምምኽኻር - ቢሎም - ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንክሓብሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምምጻኦም ንልኡካን ፓትሪያርክ ቍስጥንጥንያ ልባዊ ምስጋና ኣቝሪቦም ንናይ ቍስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማውን ንቅዱስ ሲኖዶስን ሰላምታኦምን ምስጋናኦምን ከብጽሑሎም ሓቲቶም፣ ነቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንኣማላድነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ቅዱስ እንድርያስን ቅድስቲ ኣደ እግዚኣብሔርን ኣውኪፎም፣ “ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ከሰንዩናን ክድግፉናን እጽልይ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።