MAP

Air India plane crash in Ahmedabad Air India plane crash in Ahmedabad 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 በቲ ኣብ ሃገረ ህንዲ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ዝተሰምዖም ሓዘን ገለጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ግዳያት ናይታ ኣብ ሃገረ ህንዲ ካብ እትርከብ ከተማ ኣሃመዳባድ፣ 242 ሰባት ሒዛ ናብ ለንደን ንምብራር ዝተበገሰት ድሕሪ ምብራራ ዝወደቐት ነፋሪት፣ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ውን ኣመልኪቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 12 ሰነ መንገዲ ኣየር ህንዲ 171፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሃመዳባድ፣ 242 ሰባት ሒዛ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ጋትዊክ ተበገሰት ።

እታ ቦይንግ 787-8 ድሪምሊነር ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ድሕሪ ምብራራ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቲ ወዲቓ ተሓምሸሸት፣ እቲ መንበሪ ገዛውቲ ድማ ናይቲ ብመንግስቲ ዝምራሕ ናይ ሕክምና ኮሌጅ ቢ. ጀይ. ዝተሰምየ ናይሕክምና ሰራሕተይናታትን ሓካይምን ዝቕመጥሉ ገዛውቲ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንስድራ ቤትን ንፈተውትን እቶም በቲ ሓደጋ ዝተጐድኡ ሰባት "ልባዊ ምጽንናዕ" ዝልግሱሎም ንምግላጽ ትማሊ ሓሙስ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝተፈረመ ናይ  ቴለግራም መልእኽቲ "በቲ ኣብ ጥቓ ኣሃመዳባድ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ህንዲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ብጣዕሚ ከም ዝጐሃዩ" ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዅሎም እቶም ምእንቲ እቶም ኣብቲ ናይ ሕይወት ኣድሕን ጻዕርታት እተሳተፉ ሰባት ዝጸለዩሎም ጸሎት ከም ዝበጽሖም ውን ኣረጋገጸሎም፣ ነፍሳት ናይቶም ዝሞቱ ሰባት  ከኣ "ምሕረት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል" ክቕበሎም ጸለዩሎም።

እታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ህንዲ 169 ህንዳውያን 53 ብሪጣንያውያን 7 ፖርቱጋላውያን ከምኡ ውን 1 ካናዳዊ ሒዛ ትጕዓዝ ዝነበረት ኢያ። ብመሰረት ትካል ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፣ እቶም ተጓዓዝቲ 217 ዓበይቲ 11 ቘልዑ ከምኡውን 2 ሕጻናት ዝርከብዎም ኢዮም ዝነብሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ መርበብ ተለቪዥንን ዚርአ ስእልታት ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ትኪ ኺወጽእ ከሎን ህንጻታት ድማ ኪነድድ ከሎን ይርአ ነበረ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ሕይወት አድሕን ሰራሕተኛታት ናብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተላዕለ ቪድዮ ከም ዘመልክቶ ኸኣ ነቶም ዝቘሰሉ ብቕልጡፍ ከም ዘጐዓዕዝዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ህንዲ ናረንትራ ሞዲ ነዚ ሓደጋ እዚ "ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ልቢ ዝሰብር" ክብል ገሊጽዎ ይርከብ።

እቲ ኣብ ከትማ ኣሃመዳባድ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ "ኣሰምቢዱናን ኣጕህዩናን ኢዩ" ብምባል ንዅሎም እቶም በቲ ሓደጋ እተጐድኡ ሰባት ምጽንናዕ ከም ዝልግሰሎም ውን ገለጸ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ከይር ስታርመር እዚ ፍጻመ እዚ "ኣዝዩ ጐዳኢ" ምዃኑ ውን ገለጸ።

ብመሰረት እቲ ብ2021 ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም እተገብረ ቘጸራ ህዝቢ ብሪጣንያ ምስ ሃገረ ህንዲ ጥብቕ ርክብ ዘለዋ ሃገር ኢያ፣ ዳርጋ 1.9 ሚልዮን ዚዀኑ ህንዳውያን ከኣ ኣብ ሃገረ ብሪጣንያ ይነብሩ ኣለዉ።

13 Jun 2025, 15:07