ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንብጹእ ኢዩሊዩ ሆሱ ናይ ተስፋ ነብዪ እንክብሉ ይገልጽዎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንካርዲናል ብፁዕ ኢዩሊዩ ሆሱ፣ ኣብ ሩሜንያ ናይ ግሪኻዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ክሉጅ - ገርላን ጳጳስን ሰማዕት እምነትን ዕለት 2 ሰነ ዝተኻየደ መደብ ዓውደ ዝኽሪ ዝመርሑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፣ ካርዲናል ብጹዕ ሆሱ ዝሃብዎ ሕድሪ ሓድሕዳዊ ምቅርራብን ምትሕግጋዝን ሃይማኖታትን መንፈስ ይቕረታን ዘኪሮም፣ ምእመናን ናይዚ ብጹዕ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ተስፋን ትብዓትን ምሕረትን ክኽተሉ ኣተባቢዖም።
እዚ ዕለት 2 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዝተኻየደ ስነ - ስርዓት ዝኽሪ ሰማእት እምነት ካርዲናል ብጹዕ ሆሱ ከምኡ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሮማንያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝኽሪ 5ይ ዓመትን ኣብ ኣደባባይ ሓርነት ብላጅ ንኢዩሊዩ ሆሱ ሓዊሱ ንሸውዓተ ኣብ ሩሜንያ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት ዝኣወጅዎ ብጽእናን ንምጽንባል ዝተኻየደ መደብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ተበግሶ እዚ ቕድሚ ሓደ ዓመት ነፍሰ ሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ፈደራላዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሩሜንያ ድሕሪ ዝገብርዎ ስምምዕ ስዒቡ ዝተዳለወ ምንባሩ የዘኻኽር።
ካርዲናል ሆሱ ኣብ እዋን ዴሳዊ ስርዓት ሩሜንያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ኣብ 1969 ዓ.ም. ብቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ in pectore - ዘበ ምስጢረ ልቦና ካርዲናል እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፣ “ሎሚ ብፍሉይ መንገዲ ናብዚ ጉባኤ ካርዲናላት ዝእከብሉ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ይኣትዉ፣” ኣብቲ እዋን ከቢድ እዋን ኣሳዶ እውን እንተነበረ ንሮማዊት ቤተ ክርስቲያን እሙን ዝነበሩ ተባዕ ጳጳስን ኣብ መትከሉ ነቕ ዘይብል ወዲ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ኣብ ዘስምዕዎ መድረ ከም ዝዘከርዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ኣብ ሩሜንያ ናይ ግርኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን በርገሳዊ ሰበስልጣንን ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሩሜንያን ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ክቡር ዶር. ሲልቪዩ ቬክስለር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ካርዲናል ብጹዕ ሆሱ ንኹሉ ብሄራውን ሃይማኖታውን ዶባት ዝሰግር ናይ ዝኾነ ሕውነት ትእምርቲ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተሓላቒ ውጹዓት
ዶክተር ቬክስለር፣ ካርዲናል ብጹዕ ሆሱ “ጻድቃን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ” ዝብል መዓርግ ንምሃብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ኣጉሊሖም፣ እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ መንጎ 1940ን 1944 ዓ.ም.ን ኣብ እዋን መግዛእቲ ናዚ ኣብ ሰሜናዊ ትራንሲልቫንያ ንዝነበሩ ኣይሁድ ካብ ህልቂት ንምድሓን ዝገበሮ ተባዕ ጻዕሪ መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካርዲናል ሆሱን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣጋጢሙ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ዘኪሮም፣ ንኣይሁድ ወኪሉ ንኸይጥረዙ ዝዓለመ ሰፊሕ ንጥፈታት ይፍጽም ከም ዝነበረ ኣስተብሂሎም፣ ዕለት 2 ሚያዝያ 1944 ዓ.ም. ብጹዕ ሆሱ ንምመናኑ ኣብ ዝጸሓፎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ “ልመናና ንኹልኹም ዘቐንዐ እዩ . . . ሎሚ ካብ ውዕዉዕ ሰብኣዊ ፍቕሪ ዝተወልደ ክርስትያናውን ሩሜንያውን ሓገዝ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ዝፍጸም ክቡር ተግባር ከምዘየለ ፈሊጥኩም፣ ንኣይሁድ ብሓሳብኩም ጥራይ ዘይኮነስ ብመስዋእትኹም ክትሕግዙ እላበው” እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዘከሩን፣ ናይ ሩሜንያ ዓቢይ ራባይ ነበር ሞሸ ካርሚሊ - ዋይንበርገር እውን፣ ካርዲናል ሆሱ ህይወት ኣሽሓት ኣይሁድ ንምድሓን ዝገበሮ ተወፋይነት ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።
ኣብ ይቕረታ ዝተሰረተ እምነት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ንካርዲናል ሆሱ ብጽዕና ንምእዋጅ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ብጹዕ ሆሱ “ናይ ዘተ ሰብን ናይ ተስፋ ነብይን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፣ “እግዚኣብሄር ይቕሬታ ንምቕራብን ኵሉ ምእንቲ ክልወጥ ክንጽልን ናብዚ ናይ መከራ ህሞት ለኣኸና” ዝብል ናይ ብጹዕ ሆሱ ቃላት ብምጥቃስ፣ ነቲ ነባሪ ሓይሊ ይቕረታ ኣብ ቅድሚ ስደት ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ምዃኑ ኣጉሊሖም፣ “እዘን ቃላት እዚኣተን ንመንፈስ ሰማእታት ዘንጸባርቓ እየን፣ ጽልኢ ዝጐደሎን ስቓይ ንዘሳድደካ ንምፍቃር ዝድርኽ ኣብ ኣምላኽ ዝጸንዐ ነቕ ካብ ዘይብል እምነት ዝጽገው መንፈስ ምሕረት ምዃኑ ዘመላኽታ እያተን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሎሚ ምስክር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ እቲ ሆሱ ዝገደፎ ኣብነትን እቲ ዘርእስቱ ካልኣይ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ቤተ - ክርስትያን ምስ ዘይክርስቲያን ሃይማኖታት ዘለዋ ርክብ ዚገልጽ ዘመሓላለፎ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ይኹንታ ዝሃቡሉ ኣዋጅ መበል 60 ዓመት ዝዝከር ዘሎን ኣጉሊሖም፣ "እቲ ንሩሜናውያን ኣይሁድ ዝገበሮ ነገር ኵሉ ሎሚ እቲ ዝለዓለ መስዋእትነቱ ከይተረፈ ኣርኣያ ናጽነትን ትብዓትን ልግስን ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ምእመናን ነቲ “እምነትና ህይወትና እዩ” ዝብል ናይ ሆሱ መንበረ ጵጵስና መንፈሳዊ ጭርሖ ከም ናቶም ክቕበልዎ ተላብዮም፡ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝቐንዐ ዓመጽ ብምሉእ ሓይልና ክንቃወም ጻውዒት ኣቕሪቦም፤ “ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ኣይፋል!’ ንበል። ብዅሉ መልክዑ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ተቓላዕትን ከም ቈልዑን ኣባይቲ ስድራን ኪፍጸም ከሎ ድማ ብዝያዳ!” ቢሎም፣ ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ በረኸት እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፣ ኣብ መደምደምታ፣ ኣብነት ካርዲናል ብጹዕ ሆሱ “ንናይ ሎሚ ዓለም ከም መብራህቲ ተስፋ ኮይኑ ክቕጽል ዘለዎም እምንቶ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።