MAP

2025.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኢጣልያ ማታሬላ ተራኺቦም 2025.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኢጣልያ ማታሬላ ተራኺቦም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኢጣልያ ማታሬላ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ ተቐቢሎም ከም ዘዛራረቡን ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ካብ ቅዱሰንቶም ምስ ተሰናበቱ ብምኽትል ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር የኔታ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ "ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ምዉቕ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድና ከም እተሰመረሉን፣ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ዩክሬይንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከም እተመያየጡ ኣመላኺቱ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ዘለዋ ኣበርክቶ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ኢጣልያ ኣፍልጦ ዝሃበ ዘተ ከም ዘካየዱ ኣፍሊጡ።

07 Jun 2025, 17:10