ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 500 ዓመት ውልደት እቲ ኣብ ታሪኽ ዓቢ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዮን መበል 14 ኣብ መወዳእታ ዕለት 18 ሰነ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንሰላም ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ካብቲ ዕለት 24 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዓለም ኣብ ኣፍደገ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሬድዮ፣ “ብሰላም ዝጠፍእ ነገር የሎን: ብውግእ ግን ኩሉ ክጠፍእ ይኽእል እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የቃልሑ።
እቶም ንትሽዓተ ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብምዃን ዘገልገሉ ድሕሪ ንር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ተካኢ ኮይኖም ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓቸሊ - ፒዮስ መበል 12፡ "ፍትሒ ብኣጽዋር ዘይኰነስ ብሓይሊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዚምራሕ። ኣብ ፍትሒ ዘይተመስረተ ስርዓተ መንግስቲ ከኣ ብኣምላኽ ኣይባረኽን እዩ ። ካብ ስነ - ምግባር ዝተነጸለ ፖለቲካ ነቶም ከምኡ ኺገብሩ ዚደልዩ ከይተረፈ እዩ ዝጠልም። እቲ ሓደጋ ቐሪቡ እኳ እንተሎ ግዜኡ ግን ኣይኣኸለን። ብሰላም ዝጠፍአ ነገር የልቦን። ብውግእ ኩሉ ነገር እዩ ዝጠፍእ። ሰባት ንሓድሕዶም ናብ ምርድዳእ ይመለሱ። ዘተ ዳግማይ ከበግሱ ኣለዎም፣ ብሰናይ ፍቓድን ንመሰላት ሓድሕዶም ንምኽባርን ብምምይያጥ ቅኑዕን ውጽኢታውን ዘተ ካብ ክቡር ዓወት ፈጺሙ ከም ዘይዕገት ክግንዘቡ ኢዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
መልእኽቲ ሬድዮ ሰዓት 19፡00 ዕለት 24 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ካብ ካስተል ጋንዶልፎ ካብ ሕንጻ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ዜና ናይቲ ኣብ መንጎ ናዚ ጀርመንን ሶቪየት ሕብረትን ዝተገብረ ስምምዕ ምስ ፈለጡ ዘመሓላለፍዎ ከም ዝኾነን፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ፒዮስ መበል 12 ካብቶም ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝቐረበሎም ኣርባዕተ ረቂቕ ጽሑፋት ውሽጢ ብናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብዝነነሩ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ (ደሓር ድሕሪ ፒዮስ መበል 12 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩ ጳውሎስ ሻድሻይ) ዝተዳለወ መሪጾም፣ ገለ መአረምታ ብምግባር፣ ብሰላም ዝጠፍአ ነገር የልቦን። ብውግእ ኩሉ ነገር እዩ ዝጠፍእ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ከቕርቡ እንከለዉ ካርዲናል ሞንቲኒ እውን ምስኦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሱ የዘኻኽር።
ከም ዝፍለጥ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓቸሊ - ፒዮስ መበል 12 - ጻውዒት ሰላም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕሽሽ ተባሂሉን ዕለት 1 መስከረም 1939 ዓ.ም. ወተሃደራት ጀርመን ንዶብ ፖላንድ ሰጊሮም ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ዘበገሱ ይዝከር።