MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምብራኽ ግጭት ኢራንን እስራኤልን 'ሓላፍነትን ምኽንያትን' ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምብራኽ ግጭት ኢራንን እስራኤልን 'ሓላፍነትን ምኽንያትን' ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምብራኽ ግጭት ኢራንን እስራኤልን 'ሓላፍነትን ምኽንያትን' ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ብምንቃፍ ንዘተን ካብ ኑክልየሳዊ ስግኣት ነጻ ዝኾነት ዓለም ክንሃንጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ቀዳም ዕለት 14 ሰነ  ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንስፖርት ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ነጋድያን ተቐቢሎም ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ዝኾነ ሰብ ንህላወ ካልእ ኣብ ሓደጋ ከእቱ የብሉን . . . ቢሎም መራሕቲ ኢራንን እስራኤልን ካብ ኲናት ርሒቖም ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘተ ክዋፈሩ ጻውዒት ከም ዘቕርቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

"ኣብዚ ቅንያት እዚ ዓቢ ስክፍታ ዝፈጥር ሓቤረታ ይመጽእ ኣሎ። ኩነታት ኢራንን እስራኤልን ናብ ዝኸፈአ ገጹ የብል ኣሎ፣ ከምዚ ዝበለ ኣዚዩ ተነቃፊ ህሞት ኣብ ዝረኣየሉ ንሓላፍነትን ምኽንያትን ዝቐርብ ጻውዒት ብትሪ ከሐድስ እደሊ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ “ካብ ኑክልየሳዊ  ስግኣት ነጻ ዝኾነ ውሑስ ዓለም ንምህናጽ ተወፋይነት” ከምዘድሊ ብምዝኽኻር፣ ወሲኾም “ኣብ ፍትሕን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ንምህናጽ፣ ምክብባር ብዝዓሰሎ ርክባትን ቅንዕና ዝመልኦ ዘተን ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም -

“ዝኾነ ሰብ ንህላወ ካልእ ኣብ ሓደጋ ከእቱ የብሉን!”

"ኩለን ሃገራት ናይ ዕርቂ መንገድታት ብምጅማርን ንኩሉ ድሕንነትን ክብርን ዘውሕስ መፍትሒታት ብምስፋሕ ንጉዳይ ሰላም ምድጋፍ ግዴታ ኩለን ሃገራት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

14 Jun 2025, 17:42