MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ሰብኣውነት ንሰላም ይጭድርን ይልምንን' ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ሰብኣውነት ንሰላም ይጭድርን ይልምንን'  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ 'ሰብኣውነት ንሰላም ይጭድርን ይልምንን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ሓቢሮም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ መዓታዊ ኲናት ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኲናት ነባሪ ፍታሕ ዘይህብ ሽግራት ዘጋድድን ዓሚቕ ቁስሊ ዝፈጥርን ጥራይ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 22 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ሓቢሮም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ካብ ኢራን ዘሰክፍ ሓበሬታ ይመጽእ ኣሎ - ቢሎም - እስራኤልን ኢራንን ኣብ መሬት ሓድሕደን መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን፡ ናይ ወግእ ነፈርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝርከቡ ኑክልየሳዊ ቦታታት ድሕሪ ምህራመን ሒደት ሰዓታት “ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ካብ ኢራን ዘሰክፍ ሓበሬታ ይመጽእ ኣሎ” ቢሎም፣ “ኣብዚ ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘጠቓለለ መዓታዊ ተርእዮ፡ እቲ መዓልታዊ ስቓይ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብ ቓዛን ካልእ ግዝኣታትን፡ ዋላ እኳ ኣድላይነት እኹል ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ህጹጽ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንኽርሳዕ ዝገብር ሓደጋ ይኸውን ከምዘሎን ገሊጾም፣ "ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰብኣውነት ንሰላም ይጭድርን ይልምንን" ኣሎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ናይ ሰላም፣ "ሓላፍነትን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ዝሓትት ከምኡውን ብጓህሪ ኣጽዋር ወይ ግጭት ከለዓዕል ብዘኽእል ጣቋ መደረ ክዕገት የብሉን" ከም ዝበሉ ሓቢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም፣ “እቲ መዓታዊ ውግእ ዘይዕረ ዓዘቕቲ ከይኮነ እንከሎ ደው ከብሎ” ግብረ ገባዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ተማሕጺኖም። ክብሪ ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ ዝኾነ ግርጭት ርሑቕ ከምዘይከውን ርጉጽ እዩ፣ ኲናት ንጸገማት ኣይፈትሕን እዩ”  እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ "ብኣንጻሩ የዕብዮምን ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓሚቕ ቁስሊ የስዕብን - ንኽሓዊ ወለዶታት ዝወስድ ቁስሊ የተኣታትው። ዝኾነ ወተሃደራዊ ዓወት ንቓንዛ ኣደታት፡ ንፍርሒ ቆልዑ፡ ወይ ንዝተሰርቀ መጻኢ ክኽሕስ ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ እቲ ድምጺ ኣጽዋር ስቕ ክብል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። “ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ነቲ ኣጽዋር ስቕ የበል! . . . ኣህዛብ ብዓመጽን ደማዊ ግጭትን ዘይኮነስ ብናይ ሰላም ስራሓት መጻኢኦም ይቐርጹ!” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Jun 2025, 16:40