ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ናይ ብዙሓት ካብ ኢጣልያ ናብ ኣሜሪካ ዝተሰዱ መለለዪ ካቶሊካዊ እምነት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዙሓት ካብ ኢጣልያ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተሰድዱ ካቶሊካዊ እምነቶም ፍሉይ መለለይኦም ምንባሩን እዚ እምነት እዚ ኸኣ ኣብታ ሓዳስ ሃገሮም መነባሮኦም ከማዕብሉ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ብምግባር፣ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን ከይተረፈ ኣጽኒዕዎም እዮም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ማሕበር ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመኡ ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተሳተፉ ኣፍሊጡ።
እምነቶም ጽንዓቶም
"ከምቲ ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ፡ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኣሜሪካውያን ዋላ'ውን ኣቦታቶም ቅድሚ ወለዶታት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰዱ እንተኾኑ፣ ብኹርዓት ጣልያናዊ ውርሻኦም ይነግሩ" እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፣ እቲ ማሕበር ንመንእሰያት ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኢጣልያ ንምምሃርን ከምኡ'ውን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ናይ ትምህርቲ ዕድልን ካልእ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዛትን ንምሃብ ዝግበሮ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፣ እዚ ጻዕሪ እዚ "ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጠቅምን ጭቡጥን ምትእስሳር ንኽህሉ ይሕግዝ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "መለለዪ ናይቶም ብዙሓት ካብ ኢጣልያ ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዱ ሰባት ዝኾነ ካቶሊካዊ እምነት፡ ኣብ ኩሉ ጻዕርታቶም ዓቢይ ሓገዝ ከም ዝኾኖምን እዚ እምነት እዚ ዋላ ኣብታ ሓዳስ ሃገሮም ምዕቡል ዘለዎ መጻኢ ተስፋ ሒዞም ኣብ ዝመጹሉ እዋን ኣብ ዘጋጠሞም ኣጸጋሚ ህሞታት ጽንዓት ከም ዝኾኖም ጭቡጥ ሓቂ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ባህላዊ ውርሻ ምኽባር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቲ ማሕበር ኣባላት ናብ ቫቲካን ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ሮማ፣ “ብመቓብር ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ከምኡውን በቶም ኣብ ጽኩር እዋን ታሪኽ ንቤተ-ክርስትያን ዘደልደልዋ ብዙሓት ቅዱሳን" ከም ዝዀነት ኣዘኻኪሮ፡ እዚ ምብጻሕ እዚ "ኣብዚ ብዙሕ ብድሆታት ዘለዎ መዋእል፣ ነቲ ኣብ መጻኢ ዘሎኩም ተስፋን ምትእምማንን እተሐድስሉ ይኹን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መወዳእታ ነቶም በጻሕቲ ሃዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፣ "ነፍሲ ወከፍኩምን ስድራቤትኩምን ነቲ ካብቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ዝወረስኩምዎ ሃብታም መንፈሳውን ባህላውን ውርሻ ወትሩ ክትዕቅብዎ እጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።