ር. ሊ. ጳ. ንተመሃርቲ ዘርዐ ክነት - 'ኣዒንትኹም ናብ ኢየሱስ ኣቃንዑ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ቀቅድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ካብ ዚርከብ ሰበኻ ትሪቨኔቶ ዝመጹ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "ኣዒንትኹም ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኵሩ" በልዎም።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ድሕቲ እቲ ብምኽንያት ንግደት ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ንካልኣይ ግዜ ይረኽብዎም ብምህላዎም ገጾም ኣጸቢቖም ከም ዝዝክርዎም ብምምልካት ነቲ ቃል እምዕዳኖም ፈለምዎ።
ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ኣርኣያ ክህነታዊ ህይወት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕጻል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ካብ ከባቢኦም ከም ዝመጹ ብምዝካር፣ ክርስትያናዊ መበቈል ናይቲ ኸባቢ ኣመልከቱሎም። ኣብቶም ጓሳ እቲኦም "እቲ ብሉጽ ደግነት ሕዝቦም ኣንጽባረቐ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ "ሓቀይና ኣርኣያ ክህነታዊ ህይወት ኣለውኹም" ብምባል ውን ኣመልከቱሎም።
ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም ብምቕጻል ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ ንስሓን ለውጢ ሕይወትን ዝተጓዕዞ መገዲን እተዛረቦ ቓላት ዘኪሮም።
ኣብ ቃለ ምዕዳኖም ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ከም ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንጐይታ ብሕድሪ ክውፈዩ ተማሕጸንዎም።
እዚ ኣብቲ ኣብ ዘርኣ ክህነት ዘሕለፍዎ ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ምሉእ ህይወቶም እውን ዘሰንዮም ምዃኑ ብምግላጽ "ኣብቲ ዝጸውዓኩም ጐይታ ደረት ዘይብሉ ትውክልቲ ክትገብሩን፣ ንበይንኹም ከም ዝበቕዑ ወይ በይንኹም ኩሉ ከም እትኽእሉን ዘይትሓስቡ” ክብሉ ተላበውዎም።
'ኣብ ተኣማንነት ኣምላኽ ገዛእ ርእሰይ ደርበኹ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምቕጻል "ብጊዜ ባዶነት ወይ ሓጢኣት ከኣ ኣብ ኵሉ ህሞት ቃላት እቲ ዘማሪ መዝሙር ዳዊት ደግሙ፤ ሕጅን ንዘለኣለምን ኣብ ተኣማንነት ኣምላኽ ኣተኩሩ ኢኹም" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ናብ ቃል ኣምላኽን ቅዱስ ቍርባንን ክጥምቱ ተማሕጸንዎም እዚ ድማ፣ "ንመንፈሳዊ ጕዕዞኹምን ንተጸምዶኹምን ወትሩ ሓድሽ ህይወት ክትረኽቡሉ እትኽእሉ ናይ ወትሩ ምንጭታትኩም" ኢዩ፣ ንገዛእ ርእሶም ነጺሎም ከይርእይዋን ንርእሶም እውን ከይፈልዩ ውን ተላበውዎም።
ከምዚ ድማ በሉ - "ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃን ክበሃል ከሎ በይንኻ ምዃን ማለት ኣይኰነን !" ክብሉ ውን ኣጠንቀቕዎም።
ምስ ኢየሱስ ምርኻብና ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ
"ንሱኹም ኣገልገልቲ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ውን ነቶም ብሕድሪ እተዋህበኩም ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ንፉዓት መጕዓዝትኹም ክኾኑ ደግፍዎም" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ትሕትና ዝመልኦ ምስክርነት ህይወትኩምን እምነትኩምን ኣቕርቡሎም" ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረብዎም። ካብ ልቢ ብዝመነጨ ፍቕሪ ኣሰንዮም፣ ኵላትኩም ብቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ንጳጳሳትኩም ከም እትድገፉ ፍለጡ።"
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር "ኣዒንትኹም ናብ ኢየሱስ ኣተኵሩ፣ ምስኡ ድማ ዕርክነት ክትምስርቱ ፍቐዱ" ክብሉ ኣባታዊ ለበዋኦም ለገሱሎም።
"ብርግጽ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብና፣ ንህይወትና የድሕን ወንጌል ንዅሉ ሰብ ንኽንምስክር ከኣ ብርታዐን ሓጐስን ይህበና" ብምባል ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ፣ ቅድስቲ ኣዴና ወትሩ ምሳታቶም ክተሰንዮም ብምጽላይን ጽቡቕ ናይ እምነት ጕዕዞ ኺገብሩ ብምምናይን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።