MAP

ር. ሊ. ጳ. - ምስ ልቢ ክርስቶስ ኣገልገልቲ ሓንቲ ልእኽቲ ቤተ- ክርስትያን ኢኹም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ናይ መጻኢ ካህናት ዝኾኑ ተመሃቲ ዘርኣ ክህነት ብምኽንያት ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም። ቅዱስነቶም ኣብዛ ግጭትን ርእሰ-ምትእምማንን ጽምእን ዝመልኣ ዓለም "ናይ ተስፋ መሰኻኽር" ከምኡ ውን "ትሑታትን ሓያላትን" ወንጌላውያን ክኾኑ ናብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዓደምዎም። ኣስዒቦም ድማ ንኣውያት ናይቶም እተገለሉ ጽን ኢልካ ምስማዕ ንህይወትካ ከም "ውህበት ፍቕሪ" ምውፋይ የድሊ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣሰር ኣምላኽ ንምርካብ ዚሕግዝ "ሞተር" ዘለዎ ንሱ ድማ ልቢ ምህላው "ዜደንቕ ጅግንነታዊ ተግባር" እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ 24 ሰነ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ  ቫቲካን ንዝተረኽቡ ኣርባዕተ ሽሕ ኣቢሎም ዝዀኑ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታትን ኣገልገልቲ ሥነ መዕበያ ክህነታዊ ጽዋዕታን ንዝኾኑ ካህናት ኸምዚ ብምባል ገለጽዎም። እቶም ኣብ መጻኢ ኻህናት ዚዀኑ ኣብታ ህይወቶም ዝወፈዩላ ዓመት እልልታ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ናብ ሮሜ ንግደት የካየዱ ኣለዉ። ብዙሓት መንእሰያት ሰንደቕ ዕላማ ሃገሮም ኣብ መንኵቦም ብምግባር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብድሙቕ ጣቕዒት "ጳጳስ ልዮን! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን" ብዝብል ስቡር ጭድርታ ተቐበልዎም። እቶም ብቋንቋታት ጣልያንን ብስጳይናን ቃለ ምዕዳኖም ዝለገሱሎም ናይ ሮሜ ጳጳስ "ነጋድያን" ከምኡውን "ናይ ተስፋ መሰኻኽር" ኢኹም ክብሉ ጸውዖም፣ "ምስ ክርስቶስ ንኸይንራኸብ ዕንቅፋት ዘይኰነስ ድልድል" ክኾኑ ከምኡውን "ኣገልገልቲ እታ ልእኽቲ ኰይና እትወጽእ ክፉቲ ቤተ - ክርስትያን ዝዀኑ ትሑታትን ሓያላትን ሰበኽቲ ቃል" ኪዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ኣብቲ ግጭትን ርእሰ-ተኣማንነትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ቀረባ ክኾኑ

ብፍላይ ኣብቲ ግጭታትን ርእሰ-ተኣማንነትን ዝመልኦ ሕብረተሰብን ባህልን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት "ብልቢ ክርስቶስ" ኣቢሎም 'ብትሕትናን ብትብዓትን' 'ሕራይ' እናበሉ ውሽጣዊ እንታይነቶም ከጽንዑ ከም ዘለዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተላበውዎም -

ሓድሓደ ግዜ ናብ ልብና ምእታዉ ኬፍርሃና ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ ቍስሊ እውን ኣለዎ። ምስቶም ዚሳቐዩ ናይ ምቕራብ ክእለት ዚውለድ ብልክዕ ካብቲ ዝቖሰለ ልቢ ስለ ዝዀነ፣ ነቶም ግዳያት ክትከናኸንዎም ኣይትፍርሁ። ብዘይ ውሳጣዊ ህይወት መንፈሳዊ ህይወት እውን እንተ ዀነ ኣይከኣልን እዩ፣ ከመይሲ ኣምላኽ ኣባኡ ኢዩ ዝዛረበና።

ትርጕም ህይወት ንምርካብ ኣውያት ድኻታትን መንእሰያትን ምስማዕ

ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ቐጺሎም ናብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ልብና ዝመርሕ "ፍሉይ መገዲ" ብቐዳምነት ኣብቲ ልዑል ምሕዝነት ዘለዎ መዋእል፣ ህላወ ኣምላኽ ንኽንርድእ ምስዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለም ብእተተሓሓዘ ንገዛእ ርእስና ውን ብሓቂ ንኽንፈልጥ ዘኽእለና ጸሎት ኢዩ -

ኣብ ሥነ መለኮታዊ መጽናዕቲ ጽኑዕ ቈራጽነት ክትገብር ከለኻ፣ ንድምጺ ባህልታት ብኽፉት ኣእምሮን ልብን ክትሰምዖ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዜምጽኦ ብድሆታት ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ዝነበረ፣ ንኣውያት ቘልዑ ንድኻታትን ጭቁናትን ከምኡውን ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ትርጕም ዘለዎ ናብራ ህይወቶም ክደልዩ ኸለዉ ብኸመይ ከም እትሰምዖም ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ዕምቈት ዘይብሉን ግብዝናዝን መልኦን ኣይኰነን፣ ቅልውላው ጸጋ ንምርካብ ኣጋጣሚ ይኸፍተል ኢዩ

ሜመያ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣድላዪ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ማርያም ዝሃበትና ኣርኣያ ብምስዓብ 'ኣብ ልቡኹም ትሕዝዎን ከተስተንትነሉን ' ነቲ ንልቢ ዘጨንቕ ሕልምታትን ባህግታትን ህርፋንን፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዜደናግር መገዲ ንኸተመዛዝኑ የኽእለኩም ኢዩ። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታት "ኵሉ ምምሳልን ግብዝናን" ብምንጻግ "ካብ ዕምቈት ዘይብሉ ነገራት ተጠንቀቑ" ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕረቡሎም -

ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥማት ንጓሂ ንፍርሂ ንጭንቀትን ንቝጥዓን ከምኡውን ንዅሉ ነገራት ምስ ኣምላኽ ርክብ ከም ዚህልወና ንምግባር ስምን ድምጽን ምሃብ ክንመሃር ኣሎና። ቅልውላው ድሩትነት ተነቃፊ ነገራት ክሕባእ የብሉን፣ ኣብ ክንድኡስ ናይ ጸጋን ናይ ትንሳኤ ተመኩሮን እንተኽበሉ ኣጋጣሚታት ኢዩ።

ዓለም ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ዘለዋ ጽምኢ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ምምስካር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ልቢ ክርስቶስ በቲ "ብርቱዕ ድንጋጸ" ከም እተተንከፈ ብምዝካር "ንህይወትኩም ውህበት ፍቕሪ ግበርዋ" ክብሉ ውን ተላበውዎም።

ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሓይሊ ዕጋበት ዘይብላን ጽምኢ ዘለዋን ዓለም፣ ኣብዛ ሓድሓደ ግዜ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባን ክፍኣትን ኣስፋሕፊሑላ ዘሎ ዓለም፣ ብዛዕባ ምስጋናን ክርስትያናዊ ዕሽነትን፣ ብዛዕባ ሓጐስን ደስታን ለውሃትን ምሕረትን ልቢ ኽትምስክሩ ተጸዊዕኩም ኣሎኹም። ቅድሚ መዓርገ ክህነት ምቕባልኩም እውን ከይተረፈ መንፈስ ቅዱስ ንደቅሰብ "ክቐብኦም" ምፍቃድ፣ ነቲ ናይ ምቕባልን ምቅርራብን ኣገባብ ንምልምማድ ለጋስን ደረት ዘይብሉን ኣገልግሎት ኢዩ።

ክዘናግዑ ዘይኰነስ ብዛዕባ ህይወት ክህነት ሃንቀውታ ኺህልወኩም ኣለዎ

ቅዱስነቶም ወሲኾም ነቶም ኣብ መጻኢ ኻህናት ዝዀኑ ተመሃርቲ ዘርኣ ክነት እምበኣርከስ "ኣድላዪ መገዲ ምስትውዓልን ሥነ መዕበያን" ብሕድሪ እተዋህቦም ዕዮ ምኹኑ ውን ኣመልከቱሎም -

ኣብ ጕዕዞ ሥነ መዕበያኹም ፈጺምኩም ኣይዘንግዑ፣ ከምኡ ውን ተቐበልቲ ጥራይ ኣይትኹኑ፣ የግዳስ ብዛዕባ ህይወት ካህነት ትጉሃት ኹኑ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት እናነበርኩም ንመጻኢ ድማ ብትንቢታዊ ልቢ ተጠንቂቕኩም ርኣይዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ኣብ መወዳእታ ቃለ መዕዳኖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታት ዘሰንይዎም ዘለዉ ጳጳሳት ሰላም በልዎም፣ ድሕሪኡ ነቶም ኣባ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታት እና ተዘዋወሩ ሰላም በልዎም። እዚ መንእሰይ ወለዶ ዝነበሮ ውዕዉዕ ስምዒት ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተሃርቲ ዘርአ ክህነታት ዝገብርዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ንግደት ናብ ቅዱስ ኣፍደገ

እዚ ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነት ዝገበርዎ ርክብ መዛዘሚ ናይቲ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 23 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ስግር መንድቕ ሮማ ዝርከብ እተኻየደ መደብ ጸሎትን፣ ስዒቡ ድማ መዘምራን ሰበኻ ሮሜ ብየኔታ ማርኮ ፍሪሲና ተመሪሖም ዘካየድዎ ናይ ዝማሬ መደብ  ኢዩ ዝነበረ። ብድሕርዚ ሎሚ ናብ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግደት ብምክያድን ካብ ሰዓት 6 ድ.ቀ. ንደሓር ከኣ ኣብ ማእከል ሮሜ ኣብ ዝርከባ ዓሰርተ ባዚሊካታት ዘካይድዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ እቲ መደብ ክዛዘም ኢዩ።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነት
24 Jun 2025, 15:34