MAP

2025.06.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናት፡ 'ኣብዚ በይኑ ዝኾነ ሰብ የለን' 2025.06.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናት፡ 'ኣብዚ በይኑ ዝኾነ ሰብ የለን'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናት፡ 'ኣብዚ በይኑ ዝኾነ ሰብ የለን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ካህናት ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 26 ሰነ ተራኺቦም፣ ኣገዳስነት ሕውነታዊ መዳይ ሕንጸት ክህነትን ሕይወትን ብምጉላሕ፡ ካህናት ፈጺሞም በይኖም ከምዘይኮኑ ብኣጽንዖት ዘዘኻኸረ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ኣካል ናይቲ ካብ ዕለት 25 - 27 ሰነ 2025 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኢዮቤል ካህናት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 26 ሰነ ምስ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሓለፍቲ ስነ መዓበያ ካህናትን ኣብ ዞባ ቫቲካን ጎደና ደላ ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ኣዳራሽ ምስቶም “ሕጉሳት ካህናት - ኣዕሩኽ ኢለኩም ኣለኹ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ኣኼባ  ተጋባእያን ከም እተራኸቡን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነታዊ ተመክሮ

ኣብቲ ኣስታት 1700 ተጋባእያን ዝተረኽብሉ ኣዳራሽ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄንግ - ሲክ ነቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዝተኻየደ ርክብ ብዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ከም ዝኸፈቱን። እዚ ኣኼባ ካብ “ዋዕላ ወይ ናይ ሕንጸት ጉዳይ ዝምልከት ኣኼባ” ንላዕሊ ምዃኑ ክላርዲናል ሄንግ ሲክ ብኣጽንዖት ኣዘካኺሮም፣ “ልዕሊ ዅሉ ናይ ሓቂ ዓቕለሲያውን፡ ሲኖዶውን ሕውነታውን ተመክሮ” ምዃኑ ኣቢርሆም፣ እቲ ዕላማ ናብ ልቢ ሕይወት ክህነት ንምምላስ ማለት ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ናብ ዝብል ሕመረት ምምላስ ምዃኑ ኣስሚሮም። ሕጉሳት ካህናት ምዃን ጭርሖ ዘይኮነስ “ሓቀይናን ጭቡጥን ተኽእሎ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክንበር ዘለዎ ተመክሮ” ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰለስተ ርድኢታት ኣብ ክህነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቃል ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሄንግ ሲክ ኣቃሊሖም። ኢየሱስ፡ “ኣዕሩኽ ኢለኩም ኣለኹ” ዚብል ቃል ደስ ዘብል ኣበሃህላ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘጒልሕዎ ሓሳብ ጠቒሶም ። የግዳስ “ንኣገልግሎት ክህነት ንምርዳእ ሓቀይና መፍትሕ” ምዃኑ ቅዱስነቶም ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነዚ ዘስተንትኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ህንጸት ንጸዋዕታ ክህነት ዝምልከት ሰለስተ ርድኢታት ኣቕሪቦም። እቲ ቀዳማይ መንገዲ ዝምድና - ርክብ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ማለት ድማ “ብክእለት ጥራይ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሱ ህንጸት ዝሓትት - ማለት ህንጸት ኣብ ርክብ!” ቢሎም፣ ስለዚህ ህንጸት ኣብ ምጥራይ ፍልጠት ጥራይ ዘተኮረ ዘይኮነስ ምስ እግዚኣብሔር ሌላ ኣብ ምዕባይ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ ካልኣይ ዘካፈልዎ ርድኢት ድማ፣ ሕውነት ወሳኒ ክፋል ሕይወት ክህነት ምዃኑ ዝገልጽ ኮይኑ፣ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ከም ኣሕዋት ደኣ እምበር ከም ተቐናቐንቲ ወይ ተነጺሎም ክነብሩ ከም ዘይብሎም ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ምስትውዓል እዚ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣፡ “ኣብ መንጎና ሓቀይናን ቅኑዕን ሕውነት እንተዘይሃልዩ፡ ከም ኣገልገልቲ መጠን ከመይ ጌርና ንጡፍ ማሕበረሰባት ክንሃንጽ ንኽእል?” እንክብሉ ድሕሪ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ ሕንጸት ካህናት ማለት ብሓባር ክፋቐሩን ክሰምዑን ክጽልዩን ከገልግሉን ዝኽእሉ ምፍጣር ማለት እዩ እንክብሉ ናብ ዘስመሩሉ ሳልሳይ ርድኢት ኣቢሎም፣ እዚ እዩ “ናይ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓላፊ ስነ መዕበያ ኣብ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢ ጥንቃቐ ክገብረሉ ዘለዎ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ንባዕሉ መዕበያ ክህነት ኣብ ማሕበረሰብ እምበር ብተነጽሎ ክካየድ ከም ዘይብሉ ዘዘኻኽር ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣይትፍራሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ “ንሕይወትን ተልእኾን ካህናት ዝጸሉ ናይ ምልክታት ቅልውላውን” ክዛረቡ ከለዉ፡ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ክህነት ከም ዝጽውዑን ተልእኾኦም ብተኣማንነት ክፍጽሙ ከም ዝጽዕሩን ኣስሚሮም፣ ኩሎም ካህናት “ተባዕን ሓራ ዘውጽእን ሓሳባት ንምቕራብ ከይፈርሑ” ኣተባቢዖም፣ እዚ ድማ ንመንእሰያት ጸዋዕታኦም ጽን ክብሉ ከነቓቕሕ ዝኽእል ምዃኑ ኣመላኺቶም፣

እዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ’ዚ ኣብ ዋዜማ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Dilexit nos - ውእቱ አፍቀረነ"  ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ዘዘኻኽር ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ “ሓደ ሰብ ብሓቂ ክኣምን እንከሎ፡ ሓጐስ ኣገልጋሊ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ርክብ የንጸባርቕ - ቢሎም - ምንቲ እዚ ካህናት ናይ ተልእኾ ወንጌል ኒሕ ዳግማይ ክረኽብዎ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

“ሓደ ንኹሉ”

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ቅድሚ ምዝዛሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንሓደ ካብቶም ተጋባእያን ከም ኣቦ መጠን ዓቝይፎም ሰላም ብምባል እቲ ሕቝፎ ድማ ብሓደ ናብ ኵሎም ዝበጽሕ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣  ቀጺሎም ካብቲ ዘስምዕዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ኣገዳስነት መንፈሳዊ ሕይወት ካህን ደጊሞም ብምዝኽካር፣

ሓደ ካህን “ንፉዕ መጓዕዝቲ (ብጻይ)፡ መንፈሳዊ ኣቦ (ኣበ ነፍስ)፡ ንፉዕ ኣናዛዚ” ዝደለየሉ ብዙሕ ግዜ ስለ ዝህሉ፡ “ስለዚ በይኑ ዝዀነ ሰብ የልቦን . . . እዚ ድማ ሕውነት ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ዘለዎ ኣገዳስነት ዘረጋግጽ እዩ እንክብሉ ደጊሞም ብምዝኽካር፣ ኣብቲ ኣዝዩ ርሑቕን ሰፊሕ ዓውዲ ተልእኾ እውን እንተኾነ በይኑ ዝኾነ ሰብ የለን። ነቶም ሓለፍቲ ስነ መዕበያ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዙሕ ግዜ ዝጽውዕዎ “ምቅርራብ” ክነብሩ ኣተባቢዖም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ኩሉ ግዜ ኣብ ጸጋ ኣምላኽን ቅርበትይን ተኣማመኑ፡ ብሓባር ድማ ብሓቂ ኣብ ዓለም እዚ ድምጺ እዚ ክንከውን ንኽእል ኢና” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናት፡ 'ኣብዚ በይኑ ዝኾነ ሰብ የለን'
27 Jun 2025, 16:59