ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መልእኽቲ ተለግራም ናብ ደማስቆ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴሌግራም፥ ምስቶም በቲ ኣብ ደማስቆ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤሊያስ ዝትፈጸመ መጥቃዕቲ ለኪምካ ምጥፋእ ግዳያትን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ጽንዓት ይሃብኩም - ቢሎም - ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሶርያ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤልያስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ለኪምካ ምጥፋእ ዘስዓቦም ሞትን መቝሰልትን ዘሕደረሎም ዓሚዩቝ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ዕለት 24 ሰነ ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፣ "ኣብ ልዕሊ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቅዱስ ኤልያስ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ምስ ተሓበሮም ዝተሰመዖም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም፣ ምስ ኩሎም በቲ መዓት ዝተጸልዉ ሰባት ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፣ በቲ መጥቓዕቲ ናይ ዝተቐትሉ "ነፍሳት ናብ ፍቕራዊ ምሕረት ሰማያዊ ኣቦና" ኣማሕጺኖም፣ "ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔርን ንዝተጎድኡ ድማ ቅልጡፍ ሕውየት ክግጽግዎምን ኣብታ ሃገር ህያባት ምጽንናዕን ፈውስን ሰላምን ክወርድ ጸሎቶም ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።
25 Jun 2025, 15:42