ር. ሊ. ጳ. ንውርሒ ሰነ ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት 'ዓለም ኣብ ርሕራሐ ምእንቲ ኽትዓቢ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዛ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ እተወፈየት ወርሒ ሰነ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳብ ጸሎት "ዓለም ብርሕራሐ ምእንቲ ኽትዓቢ" ኣብ ዝብል ሓሳብ ምእመናን ምስ ቅዱስነቶም ብምሕባር ክጽልዩ ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ናብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዋ “ዘ ፖፕ” ዘርእስታ ናይ ቪድዮ መልኽቲ፣ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብመንገዲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ኣቢሎም ንመላእ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምሕምሕጻን ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ይዕድሙ።
ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ብዕለት 8 ግንቦት 2025 መበል 266 ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ እተመርጸሉ እዋን ኣትሒዞም፣ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሓሳብ ጸሎት ኣካፊሎም ይርከቡ።
ኣብዚ ናይ ውርሒ ሰነ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ቅዱስነቶም "ነፍሲ ወከፍና ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ጽንዓት ምእንቲ ኽንረክብ ካብቲ ቅዱስ ልቡ ድማ ንዓለም ክህልወና ዘለዎ ድንጋጸ ምእንቲ ኽንመሃር" ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ክጽሊ ኸሎ ብምስማዕ ኢዩ ዝጅምር ክብሉ ተላበዉ።
ብዘይካዚ ኣብቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝቐርብ ናይ መጀመርታ ጸሎት ተቕርብ።
ናብ ቅዱስ ልቢ ዚግበር ጸሎት
ኣብሪ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ሓደ ድምጺ ናይ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ድማ ነቲ ጸሎት ይመርሕ፣ እቲ ጸሎት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦ "ጐይታይ ሎሚ ናብቲ ልዙብ ልብኻ እመጽእ ኣሎኹ፣ ናብቲ ንልበይ ብሓዊ ዜንድዶ ቓላት፣ ናባኻ ናብቲ ነቶም ንሕሱማትን ንድኻታትን ንስቓዮምን ንዅሉ መከራ ደቂ ሰባትን እትርሕርሓሎም እመጽእ ኣለኹ።"
ኣስዒቡ ድማ፣ ንጐይታ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ኣብ ወንጌል ንኸተስተንትንን ምስኡ ንኽትከውን ከምኡውን ካብኡን ካብ ካብ ሰናይ ተግባራቱን ክትመሃር ባህጊ ኸም ዘሎካ ትገልጽ ጸሎት ኢያ።
ኦ ክርስቶስ "ብመለኰታውን ሰብኣውን ልብኻን ብዘይ መጠን ብምፍቃር፣ ንፍቕሪ ኣቦ ንዓና ኸም ዘርኣኻና" ክትብል ብምዝካር፣ እታ ጸሎት "ንዅሎም ደቅኻ ናይ ምርኻብ ጸጋ ሃቦም" ብምባል ውን ተማልድ።
በዚ ኣረኣእያ እዚ ምስ ጐይታ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ጥብቅ ርክብ ንኺህልወናን፣ ኣብኡ ንኺሳተፍን ትሓትት ። እታ ጸሎት ኣስዕብ ኣቢላ "ኣብ ኵሉ ዅነታት ማለት ኣብ ጸሎት ኣብ ስራሕ ኣብ ርክባትና ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንባኻ ጥራይ ምእንቲ ኽንደሊ መደባትና ቐዪርና ቍርጺ ፍቓድ ንገብር ኣሎና ከምኡውን ናባኻ ንምለስ ኣሎና" ትብል።
ኣብ መወዳእታ እታ ጸልት ጐይታ ኻብዚ ኣጋጣሚ እዚ ተበጊሱ ንዓለም ናይ ድንጋጽን ምጽንናዕን ተልእኾ ኽልእከልና ውን ትልምን።
እቲ ምስዚ ጸሎት እዚ ተተሓሒዙ ዘሎ ስእልታት ኣብታ ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ስመ ኢየሱስ እተላእለ ኮይኑ፣ ኣብኡ ኸኣ ፖምፐዮ ባቶኒ እቲ ህቡብ ምስሊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝርከበሉ። ከምኡውን እቲ ኣብ ማካቲ ፊሊፒንስ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ- መቕደስ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ እቲ ህቡብ መካነ ንግደት ርእሰ ሰበኻታት ማሊና ዝኾነ ውን የርኢ።
ቅዱስ ልቢ ኣብ ልቢ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት
ቤተ-ክርስትያን ንብምሉኡ ወርሒ ሰነ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣወፊያቶ ትርከብ።
ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ኣገዳስነት ብሕዝባዊ ተወፋይነትን ከምኡውን በቲ ኣርባዕተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ መንፈሳውነት እዚ ኣመልኪቶም ዓወድቲ መልእኽትታት ብምጽሓፎም ተገሊጹ ይርከብ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13፣ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብስሞም እተጸምዑ፣ ብዝል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ናብ ዅሎም ደቅሰባት ወፈይዎ። ብ1928 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ከአ ኣብታ ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኣብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝወረደ በሰላ ብፍቕሪ ተለዓዒልና ካሕሳ ፍጽም ይዕድሙ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 እውን እንተ ዀኑ ብ1956 ዘርስቱ ብዛዕባ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዓዋዲት መልእክቲ ኣሕተሙ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ርእሰ ድማ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2024 ዘርእስቱ ኣዋዲ መልእኽቲ ብምጽሓፍ፣ ነቲ ናይ ምብኻንን ዘይተገዳስነትን ባህሊ ዓለም ምላሽ ንምሃብ፣ ብዛዕባ መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ሓሳባት ኣካፈሉ።
ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
እዛ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ንምዝርጋሕ ኣብ እተገብረ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኢያ እተመልክት። እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ሃዋርያት ጸሎት) ድማ እዩ ዚፍጸም።
ካብ 2016 ኣትሒዙ እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ሃገረ ቫቲካን ልዕሊ 247 ሚልዮን ተዓዘብቲ ዝከታተልዎ ዘለዉ እዩ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ክትርጐም ይርከብ ኣሎ፣ ኣብ 114 ሃገራት ከኣ ኣርእስቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ረኺቡ ኣሎ።
እዛ ብኣንድርያ ሳሩቢ እተወሃሃደት ብጕጅለ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተሰናደወት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ብሓገዝ ቫቲካን ሜድያን ብምትሕብባር ማሕበር ላ’ማኪ እትዝርጋሕ ኢያ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ዓለምለኻዊ ሓሳብ ጸሎት፣ ብዛዕባ እቲ ንደቅሰባትን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ኮይኑ፣ ብጸሎትን ብመንፈሳዊ ተግባራትን ንካቶሊካውያን ናይ ምውዳብ ተልእኾ ዘለዎ ማሕበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዩ።