MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፣ 'ብኲናት ዝሳቐያ ስድራቤታት እየ ዝሓስብ' ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፣ 'ብኲናት ዝሳቐያ ስድራቤታት እየ ዝሓስብ'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፣ 'ብኲናት ዝሳቐያ ስድራቤታት እየ ዝሓስብ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ሰነ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ነቲ ካብ ዕለት 30 - ክሳዕ ዕለት 1 ሰነ ንኣባይቲ ስድራን ሕጻናትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውትን ኣረጋውያንን እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል መዛዘሚ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ነቶም ኣብቲ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራ ንዝተሳተፉ ኵሎም ሰላምታ ኣቕሪቦም ብዛዕባ ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተንትኖ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብቲ ንስድራ ቤትን ህጻናት ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያን ኣረጋውያንን እተወፈየ ቅነ ኢዮቤል ዝተሳተፉ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ነጋድያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ ናብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ዩክሬንን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለምን ብሰንኪ ኩናት ዝሳቐዩ ኣባይቲ ስድራ ሓሳቦም ኣቕኒዖም፥

“ኣብ መንገዲ ሰላም ንቕድሚት ክንስጉም ወላዲተ እግዚኣብሔር ትሕግዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባይቲ ስድራ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ህሞት ቈልዑ ምህላዎምን እዚ ህላወ ህጻናት ዘምጽኦ ተስፋን ፍሉይ ሓጐስን ብምዝኽኻር፣ ኣባይቲ ስድራ "መልእኽቲ ወንጌል ዝቕበሉን ዘመሓላለፉን ንኣሽቱ ኣብያተ - ክርስትያን - ዘቤታዊ ቍምስናታት" እንክብሉ ገሊጾም፣ ከምኡ’ውን ካብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Gratissimam Sane - ዓብይ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 2 ለካቲት 1994 ዓ.ም. ንኣባይቲ ስድራ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ “እታ ስድራቤት መበገሲኣ ካብቲ ፈጣሪ ነታ ዝተፈጥረት ዓለም ዝሓቖፈላ ፍቕሪ እያ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ኣብ ኣባይቲ ስድራ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኩሉ ግዜ ይዓዝዝ” ንኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን፣ “ናይ ሓቀይና እምነት ኣብነትን ንመንእሰይ ወለዶ ኣስተንፍሶን” እንክብሉ ብምግላጽ ምሳጋናኦም ከም ዘቕረቡ የመላኽት።

በዓለ ዕርገት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ሰንበት ዕለት 1 ሰነ ስንበት ዘእርገት ምዃኑ ብምዝኽኻር፣

“ደስ ዘብል በዓል እዩ፣ እዚ በዓል እዚ ንሸቶ ምድራዊ ጉዕዞና ብሃንቀውታ ክንጽበ ይድርኸና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣዋጅ ብጽእና

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፖላንድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንክሪስቶፎራ ክሎምፋስን ካልኦት 14 ደናግል ኣባላት ማሕበር ቅድስቲ ካተሪና ድንግልን ብጽእና ከም ዝኣወጀት ዘኪሮም፣ እተን ኣሓት፡ ኣብ 1945 ዓ.ም. ቀይሕ ሰራዊት ንፖላንድ ምስ ወረረ ዝተቐትላ ናይ እምነት ሰማእት ቢላ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሰመየትን ብጹዓን ከም ዝበለትን ገሊጾም፣ “እቲ እዋን ኣንጻር ናይ ካቶሊክ እምንትን ናይ ጽልእን ራዕድን ሃዋህው እኳ እንተነበረ፡ ንሕሙማትን ዘኽታማትን ካብ ዘቕርበኦ ኣገልግሎት ድሕር ዘይበላ ሓልዮትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ክሳብ ሰማእትነት ዝመስከራ” እንክብሉ ከመ ዝገለጽወን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ብድሕሪ’ዚ ንኣማላድነት እተን ሓደስቲ ብፁዓን ሰማእታት፣ “ኩለን እተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፣ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብልግሲ ዝውፍያ” ኣወኪፎም ንኹለን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ሰነ ነታ ኣብ 1967 ዓ.ም. ብውሳነ ር.ሊ.ጳ. ጳጳስ ጳውሎስ ሻድሻይ እተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ብምዝካር ለምዘበን መበል 59 መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዓለም ነብዕል ኣሎና ቢሎም፣ ነቶም "ናይ መልእኽቶም ስነ - ምግባራዊ ደረጃ እናሓለወ ንኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ሃናጽነት ግደኦም ዝድግፉ ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን" ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Jun 2025, 16:14