ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንእስፖርተይናታት፦ ጐብለል ወይ ቅዱስ ኰይኑ እተወልደ ዋላ ሓደዃ የልቦን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ብዛሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ምስ ኵሎም እቶም ካብ ኵሉ ደረጃታት ድሕረ-ባይታን ስፖርት ተዋጺኦም ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስፖርተኛታት ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ንምዝዛም ኣብ ክብረ በዓል ቅድስቲ ሥላሴ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ስላሴን ስፖርትን ዘሎ ምትእስሳር ክሳዕ ክንደይ "ዘይልሙድ" ከም ዝመስል ኣስተንተኑ። ይኹን እምበር ኵሉ ጽቡቕ ንጥፈታት ደቅሰብ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጽባቐ ኣምላኽ ብገለ መገዲ ስለ ዘንጸባርቕ "ስፖርት ብርግጽ ሓደ ኻብዚ ኢዩ" ክብሉ ውን መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ኸም ዝገለጽዎ ስፖርታዊ ውድድራት ምስ ኣምላኽ ንኽንራኸብ ክሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ እዚ ስፖርት እዚ "ምስ ካልኦትን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቀራረብ ደጋዊ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ድማ ውሽጣዊ ጕዳይና" እዩ በሉ። ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ግን እስፖርት "ንርእሱ ኻብ ምግታእ ሓሊፉ ኻልእ ትርጕም ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
ስፖርት ተወፋይነት ይሓትት
ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ተዓዘብቲ ነቶም ስፖርተይናታት ንምሕጓስ ዝጥቀምሉ ናይ ኢጣልያ ቓል "ዳይ" ቃል ንቃሉ "ምሃብ" ማለት ኢዩ ዘስምዕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ኩነት እዚ ከስተንትን ውን ተማሕጸኑ። ስፖርታዊ ውድድራት ብዛዕባ ኣካላዊ ምዕብልና ጥራይ ኣይኰነን ክብሉ ውን ሓሳብ ኣቕረቡ። ተወዳደርቲ ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ከወፍዩ ዝሓቶም ተግባር ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ "ንብሕታዊ ዕቤትን፡ ንእስፖርታዊ ደገፍን፡ ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን ንኣሰልጠንትን መሳርሕቶምን ንዝዓበየ ህዝብን፡ አረ እኳ ደአ ንመጋጥምትን እውን ከይተረፈ ክንውፈ ዝሓትት" ኢዩ።
ከምቶም ስፖርተይና ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ "ስፖርት ሓጐስ ህይወት፡ ጸወታ፡ ከምኡ ውን ጽምብል ኢዩ፣ እዚ ዝኸውን ድማ “ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ዕግበት ብምምላስ፣ ምሕዝነት ናይ ምምስራት ክእለት ብምዃን፣ ምስ ካልኦት ርክባት ንምምስራት ግሉጽ ብምዃንን ብምትብባዕ ኢዩ" ክኸውን ዝኽእል።
ጽምዋ፡ ኤለክትሮኒካዊ ከምኡውን ውድድራዊ ሕብረተሰብ
ስብከቶም ብምቕጻል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ስፖርት ንሰብኣውን ክርስትያናውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምሕያሽ ጽቡቕ መገዲ ክሃንጽ ዝኽእል ሰለስተ ሓሳባት ኣቕረቡ። እዚ ኸኣ ጽምዋ፡ ኤለክትሮኒካዊ ማሕበረሰብ ከምኡውን ዝወዳደር ሕብረተሰብ ዝብሉ ሓሳባት ኢዮም ዝንበሩ።
እቲ ቀዳማይ ንኣትኵሮና ኻብ "ንሕና" ናብ "ኣነ" እናተቐየረ ምስ ከደ ንማሕበረሰብና ናብ ጽምዋ ዝመርሕ ዘሎ ከም ምዃኑ ኣመልከቱ። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ዘሎና ሓልዮት ከም ዝዳኸም ገይርዎ ኣሎ። እንተዀነ ግን ስፖርታዊ ውድድራት ነዚ ድኻምነት እዚ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ስፖርት ብሓባር ምዕያይን ምክፋልን ዘለዎ ጥቕሚ ብኸመይ ከም ዚምህር ውን ኣጕልሑ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ስፖርት "ኣብ መንጎ ህዝብታትን ማሕበረሰባትን ኣብያተ - ትምህርትን ናይ ስራሕን መሻርኽትን ስድራ ቤታትን ኣገዳሲ ቅርበትን ምርኻብን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብተወሳኺ ናብቲ በብመዓልቱ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ ሕብረተሰብ ብምምላስ፣ ስፖርት ነቲ ንሰባት ኪኸፋፍል ዚኽእል ተክኖሎጂ ዜምጽኦ ሳዕቤን ኪጻወሮ ኸም ዚኽእል ኣጕልሓ። ኣብ ሓቀይና ዓለም ኣማራጺ ይህብ "ምስ ተፈጥሮ ጥዑይ ርክብ ንምምስራት ከምኡውን ሓቀይና ፍቕሪ ንምምስራት ከምኡ ውን ሓቀይና ህይወት ንምዕቃብ" ድማ ይሕግዝ ኢዩ።
እቲ ሳልሳይ መዳይ ስፖርት ከኣ፣ እቲ ንብርቱዓት ጥራይ ዚጣበቕ ውድድር ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ስፖርታዊ ውድድራት ብኸመይ ከም እንስዓር ክምህረና ይኽእል ኢዩ። "ንሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ዅነታትና ዚገልጽ ዓሚቝ ሓቅታት፣ ማለት ተነቃፊ ዓቕምና ድሩትነትና ከምኡውን ዘይፍጹማት ንምዃና ንኽንቃለሶ" የገድደና ኢዩ። በዚ ተመክሮታት እዚ ኣቢልና ተስፋ ኽንህብ ስለ ዘሎና እዚ በዚ መዳይ እዚ ስፖርት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፈጺሞም ዘይስዕሩ ወይ ዘይጋገዩ ተወዳደርቲ ኸም ዘለዉ ንዚገልጽ ሓሳባት ውን ኣፍረስዎ ። "ተወዳደርቲ ምሉእ ብምሉእ ዚዓዩ ማሽናት ኣይኰኑን፣ የግዳስ ኪወድቁ ኸለዉ ትብዓት ዝረኽቡ ሓቀይና ሰብኡትን ኣንስትን እዮም" ብምባል ውን ገለጽዎም።
"ዋላ ሓደ’ኳ ጐብለል ኮይኑ ኣይውለድን ኢዩ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጥራይ ኣይኰኑን ቅዱስ ስርፖርተይና ዝነበሩ። ስፖርታዊ ውድድራት ኣብ ህይወት ብዙሓት ናይ ዘመና ቅዱሳን ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ ኢዩ - "ከም ብሕታዊ መጋበሪ ገዛእ ርእስኻ ምግዛእ ከምኡ ውን ከም መገዲ ስብከተ ወንጌል" ተጠቒሞምሉ ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብዕለት 7 መስከረም ቅድስናኡ ዝእወጅ ቅዱስ ጠበቓ ስፖርተይናታት ዝኾነ ብጹእ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ውን ዘከሩ። ህይወት ብፁዕ ፍራሳቲ "ዋላ ሓደ’ኳ ጐብለል ኮይኑ ከም ዘይውለት ከምኡ ውን ቅዱስ ኮይኑ ዝተወልደ ከም ዘይለቦ" ከም ዘርኢ ኣብነት ከም ምዃኑ ውን ኣመልከቱ። ስፖርት መዓልታዊ ስልጠና ስለ ዝሓትት ናብቲ ናይ መወዳእታ ውድድርና ሓደ ስጕምቲ ኢዩ ዝወስደና።
ኣብ መዕጸዊ ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ስፖርተይናታት፣ "ኣብ ኵሉ ንጥፈታትኩም ፍቕሪ ናይቲ ሥሉስ ኣምላኽን ንጥቕምኹምን ንጥቕሚ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ከተንጸባርቑ" ብምባል ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም። ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምፋይ ድማ፣ ንሳውን ናብቲ "ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዓወት ማለት ሽልማት ዘለኣለማዊ ህይወት" ንኽትመርሖምን ክትሕግዞምን ተማሕጸንዋ።