ር.ሊ.ጳ. ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዕብየት ሕጻናትን መንእሰያትን ዝዕንክቅፍ ክኸውን የብሉን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ናብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብፍላይ ድማ ኣፈራዪ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ኣብ ክንክን ጥዕናን ስነ ፍልጠትን ርኽበትን ምርምር ምዕባይ ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ደረጃታት ሓድሽ ኣድማስ ከፊቱ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ክፉትነት ወዲ ሰብ ንሓቅን ጽባቐን፡ ኣብቲ ክውንነት ናይ ምጭባጥን ምምስራሕን ፍሉይ ዓቕምና ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናት እውን ዘተሓሳስብ ሕቶታት የልዕል፣ ህላወ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ብተፈጥሮኣዊ ስነ - ምግባራዊ ሸነኽ፡ ከምኡ'ውን ሓላፍነታዊ ምሕደራኡ ብዕቱብ ኣስተንትኖን ቀጻሊ ዘተን ህጹጽ ምዃኑ ዝምስክር እዩ” ቢሎም፣ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምክያዱ ከምዘሐጎሶምን፣ እዚ እውን ቤተክርስትያን ኣብዚ ንህሉውን መጻእን ሰብኣዊ ስድራቤት ብቐጥታ ዝጸሉ ዘተታት ክትሳተፍ ዘለዋ ድሌት ንጹር ምልክት እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
"ምስ'ቲ ንሰብኣዊ ስድራቤት ንምጥቃም ዘለዎ ዘይተለምደ ዓቕሚ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ከምዚ ዓይነት እደ ጥበብ ዝያዳ ሓቀይና ፍትሓውን ሰብኣውን ዓውሎማዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ብዝምልከት "ዝዓሞቐ ሕቶታት'ውን የቕርብ" እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ኣፍሊጡ።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ፍሉይ ፍርያት ናይ ወዲ ሰብ ብልሒ
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ብዘይጥርጥር ፍሉይ ፍርያት ናይ ሰብኣዊ ብልሒ" ክኸውን እንከሎ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ "ልዕሊ ኩሉ 'መጋበርያ' እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፣ ነቲ ፍሉይ ባህርያት ወድሰብ ኣፍልጦ ምሃብን ምኽባርን ብዛዕባ ግቡእ ስነ - ምግባራዊ ስርዓት ምምሕዳርን መቓንን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምምይያጥ ኣድላዪ ኢዩ፥
"ኩላትና፡ ርግጸይና እየ፡ ብዛዕባ ህጻናትን መንእሰያትን፡ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ሰብኣውን ስነ - ኣእምሮኣውን ምዕባለኦም ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤናት ከም እንሻቐል፣” መንእሰያትና ናይ መጻኢ ተስፋና ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ብስለትን ሓቀይና ሓላፍነትን ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ክሕገዙ እምበር ክዕንቀፉ የብሎምን" እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፣ "ጽቡቕ ሂወት ሕብረተሰብ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ውህበታትን ክእለታትን ንምምዕባል ከምኡውን ህልው እዋን ንዝሓቶ ነገራትን ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራትን ብናጻን ብለጋስን መንፈስ ኣብ ምምላእ እተመርኰሰ ኢዩ" እንክብሉ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ይኹን ብዘየገድስ ምስ ብልሒ ክደናገር የብሉን
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕጂ ብመንገዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ጭብጥታት ምርካብ - ክሳብ ክንደይ ተኻኣሊ ይኹን፡ ምስ ብልሒ ክደናገር የብሉን፡ እዚ ድማ ናይ ግድን "እቲ ሰብ ንናይ መወዳእታ ሕቶታት ህይወት ክፉት ምዃኑ ዘጠቓልልን ናብ ሓቅን ሰናይን ዝቐንዐ ኣንፈት ዘንጸባርቕን እዩ።" ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝዓበየ ማዕርነት ንምድንፋዕ ብእወታውን ብሓቂ ክቡርን ብዝኾነ መንገዲ ክጥቀመሉ እንከሎ፡ "ብዋጋ ካልኦት ንውልቃዊ ረብሓ ወይ ዝገደደ፡ ንግርጭትን ተጻብኦን ንምልዕዓል፡ ብዘይግቡእ ክጥቀመሉ ከምዝኽእል" እውን ኣብ መልእኽቶም ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጽላታት ሰብ ሰርሖ ምምጥጣን
ቤተ ክርስቲያን ብወገና፡ ልዕሊ ኹሉ፡ ንመንጽር “ዘይነጻጸል ውሁድ ምዕባለ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕብረተሰብን” ኣብ ግምት ብምእታው ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ክትግምግሞ ኸም ዘለዋ ብምጕላሕ፣ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ኣብ ህድእን ርጡብን ዘተ ኣበርክቶ ኽትገብር ከም እትደሊ ገሊጾም፣ "እዚ ድማ ንጽቡቕ ሂወት ሰብኣዊ ፍጥረት ብንዋታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን መዳያቱ ኣብ ግምት ምእታው ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ዘይግሃስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ምሕላውን ባህላውን መንፈሳውን ሃብትን ብዙሕነትን ህዝብታት ዓለም ምኽባርን ማለት እዩ” ምስ በሉ፣ ረብሓታት ወይ ሓደጋታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብትኽክል በዚ ዝለዓለ ስነ - ምግባራዊ መዐቀኒ ክግምገም ኣለዎ . . . ኵላትና ብዛዕባ ናይ ሓቅን ፍሉይነትን ናይ ሓባር ሰብኣዊ ክብረትና ኣዕሚቝና ንኸነስተንትን ብድሆ ይዀነና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መንእሰይ ክሕገዝ ኣለዎ እምበር ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክዕንቀፍ የብሉን
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ "ሓቀይና ጥበብ ካብ ምስ ምህላው ጭብታት ንላዕሊ፡ ሓቀይና ትርጉም ህይወት ምስ ምልላይ ዝያዳ ርክብ ከም ዘለዎ" ኣጉሊሖም፣ በዚ መነጽር እዚ ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ጉባኤ ምይይጣት "ኣብ ውሽጢ'ቲ መንእሰያት ሓቂ ኣብ ግብረ ገባን መንፈሳውን ሕይወቶም ክወሃሃዱ ዘኽእሎም ኣድላዪ ዝዀነ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ስልጠና ኣብ ግምት ዘእትው እዩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብሱላት ውሳነታቶም ክሕብሩ ናብታ ዝሰፍሐ ምትሕብባርን ሓድነትን ዘለዋ ዓለም ድማ መገዲ ክኸፍት ኢዩ" እንክብሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ዕማም ቀሊል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ኣዝዩ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ" ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።