MAP

ር.ሊ.ጳ.. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ.. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ብስልኪ ተራኺቦም 

ር.ሊ.ጳ.. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ብስልኪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ሰነ ምስ ናይ ስጳይና መራሔ መንግስቲ ፐድሮ ሳንቸስ ካስተኾን ብስልኪ ከም እተራኸቡን ቅዱሰንቶም ድሕሪ ሕይረቶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ስጳይና ንጉስን ንግስትን ምርኻቦም ዘኪሮም ምስጋናኦም ከም ዘቐረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ስጳይና መራሔ መንግስቲ ፔድሮ ሳንቸዝ ፔረዝ - ካስተኾን ዕለት 11 ሰነ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ስጳይና ንጉስ ፊሊፐን ንግስቲ ለቲዝያን ምርኻቦም ብምምስጋን ቀጺሎም ንሃገረ ቫቲካንን ስጳይናን ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን ስደትን ቀጻሊ ግጭታትን ንምብዳህ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽን ምክልኻል ሰብኣዊ ክብርን መሰረት ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

መራሔ መንግስቲ ስጳይና ሳንቸዝ ፔረዝ - ካስተኾን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ስጳይና ከተማ ሰቪላ ክካየድ ዝተዳለወ ራብዓይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት ኣማእኪሎም ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ተለዋወጡ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ሃገረ ስጳይና ክበጽሑ ብወግዒ ከም ዝዓደምዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

12 Jun 2025, 16:32