ር. ሊ. ጳ. ልዮን ፦ ብተስፋ ቝርጸት ኣይንልመስ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ቅድሚ ምጅማሮም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ቀጺሎም ድማ ኣብ ናይ ዕለተ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ርእሰ ነገር ዓመተ ኢዮቤል "ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ!" ብምትኳር ብዛዕባ እቲ ፋዋሲ ዝኾነ ኢየሱስ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም "ብዛዕባ እቲ ተጣቢቝና ዘሎ ዀይኑ ዝስምዓናን፣ ብዛዕባ እቲ ጸቢቡና ዘሎ እዋናት ከነስተንትን" ጻውዒት ኣቕረቡ። ተስፋ ዘይጠቅም ኰይኑ ምስ ዝስምዖም ሰባት ወንጌል ክዝንግዕዎ ምስ ዝደልዩን፣ ነዚ ኩነት እዚ ብመልክዕ መልመስቲ ገይሮም ከም ዝገልጽዎ ኣመልከቱ ።
ከም ኣብነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀላይ ቤተ-ሳይዳ ዝነበረ ልሙስ ሰብኣይ ኸም ዘሕወዮ ዚገልጽ ዛንታ ኣስተንተኑ።
ቤተ ምሕረት
ጐይታናን መንድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ኣይሁዳውያን በዓል ንምስታፍ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፣ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለ። እዚ ኣፍ ደገ እዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተኣምር ዝፍጸመሉ ተስፋ ዝገብሩሉ ኮይኑ፣ እቲ ኣባኡ ዝረከብ ቀላይ ምስ ተናጸ ቀልጢፉ ናብኡ ንምእታዉ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብምእማን ንምቅድዳም ዝጽበየሉ ቦታ ኢዩ ዝነበረ።
እዚ ግን "ኣብ መንጎ ድኻታት ቃልሲ" ስለ ዝነበረ ባህ ዘየብል ትርኢት ኣይነበሮን። ሰባት ቀዲሞም ናብቲ ማይ ንምእታው ዝደፋፍኡሉን ዝጸቓቐቱሉን ቦታ ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ቤተ-ኤዝዳ ዝብል ቃል "ቤት ምሕረት " ማለት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ፣ እዛ ቤት እዚኣ ምስሊ ቤተ ክርስትያን ከተንጸባርቕ እትኽእል እያ፣ እዛ ቤት እዚኣ “ሕሙማትን ድኻታትን ዚእከቡላ ጐይታ ድማ ፈውስን ተስፋን ዝህበላ ቦታ" እያ ።
ዝኾነ ምኽንያት የልቦን
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ን38 ዓመት ለሚሱ ዝነበረ ሰብኣይ፣ እሞ መደባቱ እተሰነኻለ ሰብኣይ ኣጓነፎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር እዚ ብልክዕ መልመስቲ ኢዩ፣ ከመይሲ "ተስፋ ክንቈርጽን ኣብ መንፈሳዊ ዘይተገዳስነት ክንወድቕን ንኽእል ኢና።"
ስለዚ እምበኣር እቲ ሕቶ "ክትሓዊ ዶ ትደሊ?" ዝብል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተቐቒሱ ዘሎ ልሙስ ሰብኣይ ኣባኡ ተቐርቒርና ክንተርፍ ንኽእል ኢና 'ንኽንሓዊ ዘሎና ባህጊ ድማ ክሃስስ' ይኽእል ኢዩ። ብሕማምና ኽንሽቝረርን ኣብ ካልኦት ክንውከልን ንኽእል ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ እዚ "ብዛዕባ ህይወትና ውሳኔ ንኸይንገብር መመኽነይታ ኸይከውን" ድማ ኣጠንቀቑ።
እቲ ልሙስ ሰብኣይ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ሰብኣይ ንህይወት ብኸመይ ኪርእያ ኸም ዝመረጸ ዜርኢ እዩ። ናብቲ ሓጽቢ ንኺኣቱ ዝሕግዞ ሰብ ከም ዘይብሉ ድማ ከዕዘምዝም ጀመረ፣ ስለዚ ተሓታቲ ኣብ ርእሱ ዘይኰነስ ኣብቶም ዘይሓገዝዎ ሰባት ኢዩ ዘተኩር ዘሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል እቲ "ዚሕግዞ ሰብ ከም ዘይነበረ እምብርዶ ሓቂ እዩ? " ክብሉ ይሓቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ኣቡኦም ዝኾነ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምስትንታን፣ እቲ ልሙስ ሓገዝ ጥራይ ዘይኰነስ "ኣምላኽ ዝዀነ ሰብኣይ" ከም ዘድልዮ ኣጕልሑ።
ናይ ገዛእ ርእስኻ ታሪኽ ጽሓፍ
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኻብቲ ብሰንኪ ዕድለይ ኢዩ እዚ ሓደገኛ ዅነታት ዘጋጥመኒ ዘሎ ዝብል ናብ ብሕታዊ ሓላፍነት ኪቕይሮ ሓገዞ። መንፉ ወይ ዓራት ሕማሙ ምልክት ሕሉፍ ሕማሙን ብሕታዊ ታሪኹን ኾይኑ። ሕጂ ግን እዚ ሰብኣይ እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ናይ ምጽሓፍ ክእለትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ኾነ።
ኣብ መዕጸዊ ኣስተምህሮኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣበይ ተቐርቒርና ተሪፍና ከም ዘሎና ንኽፈልጥ ኣምላኽ ጸጋ ክህበና ንለምኖ ክብሉ ኣተባብዕዎም፣ ንኽሓውዩ ዘለዎም ባህጊ ክገልጹ ድማ ተማሕጸንዎም።