ር. ሊ. ጳ. ልዮን ፦ ስድራቤታት መበቈል መጻኢ ደቂ ሰብ ኢያተን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ዕለት 1 ሰነ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኢዮቤል ስድራቤታትን ቈልዑን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታታን ንምኽባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ስድራቤት ከም ምንጪ ሕብረትን እምነትን ገይሮም ብምቕራብ ኣስተንቲኖም።
ቅድሚ ኹሉ ስድራቤት ውህበት እዩ
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ድራር ጸሎተ ሓሙስ "ሓደ ምእንቲ ክንከውን" ከም ዝጸለየ ኣብ ወንጌል ተጠቒሱ ኣሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ነዚ ጸሎት እዚ "ክንብህግ እንኽእል ዝዓበየ ሰናይ" ኢዩ ክብሉ ጸውዕዎ። እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸለዮ ሓድነት፣ ካብቲ ኣምላኽ ንህይወቱ ዝፈጠረሉን፣ ካብቲ ናብ ዓለም ድሕነት ዘምጽአሉን ፍቕሪ ዝመንጨወ ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ፍቕሪ ኣምላኽ መወዳእታ ዘይብላ ፍቕሪ እያ ። እታ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዘላቶ ፍቕሪ፣ ኻብታ ንወዱ ኢየሱስ ዘላቶ ፍቕሪ እትንእስ ውን ኣይኰነትን።
ንሓድሕድና ንደላለ ኢና
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ውህበት ህይወት ብምስትንታን፣ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዛረብዎ ቓላት ዘከሩ፣ ንሶም ኵላትና ኣወዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ ከም ዝዀንና ገለጹ፣ "ዋላ ሓደ ኻባና ኺውለድ ዝመረጸ የብልናን" ውን በሉ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ እንውለድ ኣትሒዝና ብህይወት ንምንባር ኣብ ካልኦት ከም እንምርኰስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕልሑ ። "ሳላ ርክባትና ሎሚ ዅላትና ብህይወት ንነብር ኣሎና፣ ሰብኣዊ ሕያውነትን ሓባራዊ ኽንክንን ብናጻን፡ ናጻን ብዝገር ርክብ ኢና ዘሎና" በሉ።
ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ እዚ ሕያውነት እዚ ይከሓድ እዩ። ኮይኑ ግና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንህይወት ዚጻረር ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፣ ምእንታናን ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱን ካብ ምጽላይ ኣየቋረጸን፣ "ከም ወለድን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣወዳትን ኣዋልድን መጠን ኣብ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንዓለም ከነብጽሓላ ዘሎና መልእኽቲ ውን እዚ ምዃኑ ኣጕልሑ። ኣብ ስድራቤትናን ኣብቲ እንነብረሉን እንሰርሓሉን ከምኡውን እንመሃረሉ ቦታታት 'ሓደ' ክንከውን ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። እንተዀነ ግን ሓደ ምዃን ክበሃል ከሎ፣ ሕደ ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ ድማ ኣነጸሩ። ኵላትና እተፈላለና እኳ እንተ ዀንና፣ ወትሩ ግዜ ኮነ ኣብ ኵሉ ዅነታትን ደረጃ ናብራን ሓደ ኽንከውን ከም እተጸዋዕና ኣስፊሖም ገለጹ።
ምልክት ሰላም
ኣብዛ ግጭትን ዘይምስምማዕን ዝመልኣ ዓለም ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ዅሎም ደቂ ሰባት ንፍቕሮም ኣብ ክርስቶስ ክምስርቱ ኣተባብዕዎም፣ ከመይሲ ከምዚ እንተድኣ ገይርና "ንዅሉ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ከምኡውን ኣብ ዓለም ምልክት ሰላም ክንከውን ንኽእል ኢና" በሉ። እዚ ኸኣ ስድራቤታት "መበቈል መጻኢ ደቅሰብ" ስለ ዝዀና፣ ፍቕሪ ካብ ቤት ከም ዝጅምር ንዅሉ ኣዘኻኸሩ።
ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት፣ ናይ ቅዱሳት ስድራቤታት ኣብነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ነንበይኖም ዘይኰነስ ብሓባር ናብ ቅድስና በጺሖም ሕይወቶም ውን ቤተክርስቲያን ተመስኪሩ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ኣብነት ናይቶም ወለዲ ቅድስቲ ተሬዝ ዘኢየሱስ ህጻንን ዝኾኑ ሉዊስን ዘልየን፣ ከምኡ ናይቶም ፖላንዳዊት ስድራቤት ኡልማን ገለጹ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ቤተ-ክርስትያን እቲ ንዓለም ክቕይራ ዝኽእል "ናይ ሓድነትን ዕርቅን ሓይሊ" ስለ ዘለዋ፣ እቲ ኪዳናዊ መርዓ ሎሚ ውን ኣብዚ ዘመና ክኽበር ዘቕረበቶ ጻውዒት ኣመልከቱ።
"መውስቦ ፍጹም ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሓወይና መልክዒ ፍቕሪ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምሉእ እሙንን ፍረ ዘለዎ ፍቕሪ ውን ኢዩ" በለ። እዚ ርክብ እዚ ኸኣ ቈልዑ ብኸመይ ክኹስኰሱ ኺወስዱ ኸም ዘለዎምን ንሥነ መዕበያኦምን ዜርኢ ኣብነት ኪኸውን ከም ዘለዎ ተማሕጸኑ።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ቘልዑን ህጻናትን ምምልስ ብምባል፣ ንወለዶም ኬኽብሩን ስለቲ ውህበት ህይወት መዓልቲ መጸ ኼመስግንዎምን ግዴታ ኸም ዘለዎም ኣዘኻኸርዎም። ብዘይካዚ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ነቶም ዜፍቅርዎም ቤተሰቦም "ብጥበብን ብድንጋጽን ብትሕትናን ብትዕግስትን " ኪከናኸንዎም ሓላፍነት ከም ዝለዎም ውን ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ስድራቤት፡ እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እትመሓላለፈሉ ቦታ ኸም ዝዀነ ብምጕላሕ "ንእምነት ኣብ መኣዲ ስድራቤት ከም ምግቢ፣ ኣብ ልብና ድማ ከም ፍቕሪ ኢና እንካፈላ" ስበክቶም ዛዘሙ። ስለዚ ስድራቤት ምስ ኢየሱስ እንራኸበሉ ፍሉይ ቦታ ኢዩ።