ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ‘ውሁድ - ህብረ ቃና’ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ኣብነት እምነት እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 500 ዓመት ዝኽሪ ውልደት እቲ ኣብ ታሪኽ ዓቢ ኣወሃሃዲ ሙዚቃን ተጻዋቲ ፒያኖ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ሙዚቃ ህቡባት ካብ ዝነበሩ ጸለውቲ ኣወሃሃድቲ ሙዚቃ ጆቫኒ ፒየርልዊጂ ዳ ፓለስትሪ ምኽንያት ነቶም በዚ ዓቢይ ናይ ስነ ሙዚቃ ሊቅ ስም ዝጽዋዕ ማሕበርን ጉጅለ መዘመራንን ኣባላት ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንመንፈሳውን ስርዓተ ቅዳሴን ሙዚቃ ፓለስትሪና ግዜ ዘይስዕሮ መግለጺ ጸሎትን ሓድነትን እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ “ብዝማረ ጎርጎርዮሳዊ ዝተደፋፍኡ ክቡራትን ጽኑዓትን ድርሰታቱ፡ ንሙዚቃን ቅዳሴን ብዘለዓዕልን ንመለኮታዊ ምስጢር ድምጺ ብዝህብን መንገዲ ዘወሃሃደ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሙዚቃ ከም ጸሎት፡ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣወሃሃድቲ ሙዚቃ ኣብ መዋእል ጸረ ተሃድሶ ዝነበሮም ተራ ብምዝካር፡ ፓለስትሪና ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ብሙዚቃ ኣቢላ መንፈሳዊ ሕይወት ምእመናን ንምሕዳስን ንምዕሟቕን ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከመይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሮም። “ፖሊፎኒ - ‘ውሁድ - ህብረ ቃና፣ ናይ ሙዚቃ ሜላ ጥራይ ኣይኮነን፣ ብስነ መለኮታዊ ትርጉም ዝተሰነየ መልክዕ ዘለዎ እውን እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ወሲዱ ‘ብዝግባእ ዜማ ኣሰንዮም ድማ የቕርቦ’፣ ምእንቲ ብዝበለጸ ናብ ናይ ምእመናን ድርኢት ክበጽሕ፣ ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ዜማዊ መንገዲ ዘለዎም ብዙሓት ድምጽታት ኣብ ስኒት ዝመልኦ ውህደት ከመይ ከም ዝጽንበሩ ገሊጾም፣ ሙዚቃዊ ቃና - ደሃይ ሓደ ሓደ ግዜ ይጋጮ፡ ሓንሳብ ድማ መፍትሒ ይኾኑ፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ሓድነትን ስኒትን ደለይቲ እያቶም፣ . . . እዚ ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ንጡፍ ሓድነት፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንናይ ሓባር ናይ እምነት ጉዕዞና ኣብነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ህያው ትውፊት ቅዱስ ጽባቐ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ፓለስትሪና ዝደረሶ መጽሓፍ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ማርሴሊ፣ ልዑል ኣብነት ቅዱስ ፖሊፎኒ - ‘ውሁድ - ህብረ ቃና’ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ንውሩይ ደራስን ኣወሃሃድን ሙዚቃ ናይ ኢጣሊያ መዘምራን መራሒ ዝነበሩ ካርዲናል ዶመኒኮ ባርቶሉቺ (1917 – 2013 ዓ.ም.) እውን ብኽብሪ ብምዝካር፣ ነዞም ከም መራሒ መዘምራን ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኮይኖም ንኣስታት ሓምሳ ዓመት ዘገልገሉ፣ ሃብታም ውርሻ ሓዲጎም ዝሓለፉ “ዘይርስዑ ዓቢይ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብድሕሪ’ዚ ቅዱስነቶም ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቅዳሴ ምሉእን ብንቕሓትን ንጡፍን ተሳትፎ ንኽግበር ዘቕረቦ ጻውዒት ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ቅዱስ ሙዚቃ ብፍላይ ጽቡቕ ጌሩ ምስ ዝዳሎ ነቲ ጽምዶ ከመይ ጌሩ ከዕምቖ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም፣ "ሊጡርግያዊ ሙዚቃ ብእምነት ምስ ዝድረኽን ብክእለት ምስ ዝቕረጽን ንድምጽን ኣእምሮን ልብን የዋሳእ። ናብ ጸሎት ዝወስድ መንገዲ ድማ ይኸውን" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንምጉዓዝን ንምዝማርን ዝግበር ጻውዒት
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሕበርን መዘምራንን ጆቫኒ ፒየርልዊጂ ዳ ፓለስትሪ ኣባላትን ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡን ኣመስጊኖም፣ ነቲ ክርስቲያን ብተስፋ ንቕድሚት ክኸዱ ዝጽውዕ “ዘምሩ ግን ከኣ ተጓዓዙ! ካብ መንገዲ ኣይትውጽኡ ንድሕሪት ኣይትምለሱ ደው ኣይትበሉ” ዝብል ቃል ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ዘኪሮም፣ ቅዱስ ሙዚቃ ሕድሪ ሕሉፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሎሚ እውን ንቤተ ክርስቲያን ዝምግብ ህያው ህያብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ነዚ መንፈስ እዚ ብፍላይ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኩሉ ሰብ ክሕቆፍ ኣተባቢዖም።
“ንዝምርን ንመላለስን፣ ድልድላት ጽባቐን እምነትን ንሃንጽን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።