ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ካህናት ሃነጽቲ ሓድነትን ሰላምን ክኾኑ ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓቀይና ባህሪ ኣገልግሎት ክህነት ፡ ኣብ “ልቢ ክርስቶስ፡ ንፍቕሪ ዝተወግአ . . . እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝሓቖፈን ምስ ምስሊ ሕያዋይ ጓሳ ዘሰማምዐናን ህያውን ህይወት ዝህብን ስጋ” ይግለጽ፣ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፣ መዓልቲ ንቕድስና ካህናት በብዓመቱ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዕለት 27 ሰነ ተተሓሒዙ ዝዝከር ከም ዝኾነን፣ እቲ ዝበዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ፣ “ኣብ ልብና ነቲ ምሉእ ብምሉእ ንኣገልግሎት ቅዱስ ህዝቢ እግዚኣብሔር ክንውፈ ዝተዓደለና ጸዋዕታ ዘሐድስ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ “ብጸሎት ዝጅምርን ምስ ጐይታ ብሓባር ዝፍጸምን እዩ” ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
'ሃነጽቲ ሓድነትን ሰላምን ኩኑ!'
ናብ ቅዱስ ልቢ ምእታው፡ ካህናት “ነቲ ጐይታ ብሓላፍነት ዝሃበናን ብስሙ ንህዝበ እግዚኣብሔር ከነመሓላልፎ ዝኣዘዘናን ህያብ፣ ቃልን ቅዱሳት ምስጢራትን . . . ብፍቕሪ ዝተዓረቐት ዓለም ንምምጻእ” ከስተማቕሩን ከሐድሱን የኽእሎም - ቢሎም - በዚ ምኽንያት “ሎሚ ንኹላትኩም፡ ሃነጽቲ ሓድነትን ሰላምን ኩኑ! እንክብል ልባዊ ጻውዒት አቕርበልኩም ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከምዚ ንምግባር ካህናት "ናይ መመያ ጥበብን እተሓላለኸ ዅነታት ናይ ምርዳእን ናይ ምትርጓምን ክእለት ዘለዎም" ከምኡውን "ጽቡቕ ርክብ ማእሰር ሓድነት፣ በኣገባብ ውህደት ዝንጸባርቕ ማሕበረሰብ እምነት ብምስራጽ ዘፍርን ዘሐድስን ጉስነታዊ ፍታሕ ክኾኑ ኣለዎም . . . ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፣ “ሓነጽቲ ሰላምን ሓድነትን ምዃን ማለት ምግልጋል እምበር ምዕብላል/ምውናን ማለት ኣይኮነን - ቢሎም - ኣገዳስነት ክህነታዊ ሕውነት ኣጒሊሖም፣ እዚ ድማ ርግጸይና ምልክት ህላወ እግዚኣብሔር ክኸውን ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ጸሎትን ቅርበትን ሱር ዝሰደደ ኣገልግሎት
ቅዱስ ኣቦና ካህናት ነቲ ኣብ ቅብኣተ ክህነቶም እነኹልካ ዝብል መብጽዓኦም ክሕድሱ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ክቕረጹ ክፈቕዱ፣ ብውልቃዊ ድኻም “ከይሰግኡ” ተላብዮም፣ “እግዚኣብሄር ፍጹማት ካህናት ኣይደልን እዩ፣ ንለውጢ ክፉታት ዝኾኑን ከምቲ ዘፍቀረና ንኻልኦት ከፍቅሩ ድልዋት ዝኾኑ ትሑታት ልቢ እዩ ዝደሊ” ምስ በሉ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንካህናት ንቅዱስ ልቢ የኢየሱስ ውፉይነቶም ከሐድሱ ብምዝኽካር ምስ ዓደሙ፣ “ቅዱስ ካህን ኣብ ዙርያኡ ቅድስና ከም ዘዕንብብ” እናዘኻኸረ፡ “ምስ ድኻታትን ኣባይቲ ስድራን ምስቶም ንሓቂ ዝደልዩ መንእሰያትን” ቀረባ ብምዃን ኣብ ጸሎትን ምሕረትን ሱር ዝሰደደ ኣገልግሎት ክነብሩ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።