ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንጳጳሳት ናይ ሕብረትን ተሳትፎን ሰባት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ጓሶት ቅድሚ ምዃኖም አቐዲሞም ኣባጊዕን ኣባላት መጓሰ ጐይታን ምንባሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ረቡዕ ኣብቲ ዝለገሱሎም ኣስተንትኖ ነቶም ንንግደት ኢዮቤል ተስፋ፣ ቅድስ ኣፍ ደገ ብምሕላፍ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ነተረኽቡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመልከቱሎም።
"ነተን ብሕድሪ እተዋህባና ኣብያተ-ክርስትያን ክንመርሐን እንተደኣ ዄንና ንጐይታ ምስ ልቡን ምስ ምስጢር ፍቕሩን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክንወሃሃድም፣ በቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ኽንሕደስ ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በመል 14፣ ንሰነድ ኣዋጅ ዓመተ ኢዮቤል 2025 - "እታ ተስፋ ኣይተሕፍርን ኢያ" ዝብል ኣርእስቲ ክህብዎ እንከለዉ፣ ጳጳሳት በቲ ብህይወቶም ዝህብዎ ኣብነት "ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዝተኣማመኑን ንቤተ - ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ እተወፈዩን ናይ ተስፋ መሰኻኽር" ክዀኑ ብኸመይ ከም እተጸውዑ ኣስተንተኑ።
ጭቡቕ ስርዓት ሓድነትን ውህደትን
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ነቶም ጳጳሳት ኣብተን ዘገልግልወን ኣብያተ-ክርስትያኖም ከም "ጭቡቕ ስርዓት ሓድነት" ምዃኖም ብምትኳር ኢዮም ኣተንትኖኦም ዝቐጸልዎ። "ንዕቤትን ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ተባሂሉ እተዋህበ እተፈላለየ ህያባትን ኣገልግሎታትን ብምድንፋዕ ኣብ መንጎ ኣባላታን ምስታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ሕብረት ናይ ምህናጽ ግዴታ ኣሎኩም" ብምባል ገለጹ።
ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ሓደ ጳጳስ በቲ "መምህር እምነትን" ከምኡ ውን "ኣገልጋሊ ቅድስናን" ብምግባር "ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ተጸምዶ ውን ዘደልድል ፍሉይ መለኮታዊ ጸጋ" ኢዩ ዝድገፍ።
ሥነ-መለኮታዊ ህይወት ዚነብር ሰብ
ኣብ ርእሲ እዚውን ይብሉ ቅዱስነቶም ጳጳስ "ሥነ-መለኮታዊ ህይወት ዝነብር ሰብ ኢዩ" ማለት "ንድራኸታት መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ልኡም፣ ብእምነትን ብተስፋን ብተወፋይነትን ዝመልኣ ሰብ" ማለት ውን ኢዩ።
ጳጳስ ከም ናይ እምነት ሰብ መጠን ልክዕ ከም ሙሴ "ኣብ ኣሳጊሩ ይጥምት፣ ናብ ዕላማ ውን የቋምት ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ፈተና ኸኣ ይጸንዕ" ከምኡውን ከም ኣማላዲ ድማ ይዓዪ። ሓደ ጳጳስ ብመንገዲ ተስፋ ንህዝቡ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ምሳታቶም ብምቅርራብን ተስፋ ንኸይቈርጹ ይሕግዞም ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ናይ እምነትን ተስፋን ሥነ-መለኮታዊ ባህርያት ኣብ ሓደ ጳጳስ "ከም በዓል ጕስነታዊ ግብረ-ሰናይ" ኰይኑ ከም ዝርከብ ውን ገለጹ፣ እዚ ጳጳስ እዚ ወትሩ በቲ ናይ ክርስቶስ ጉስነታዊ ግብረ-ሰናይ ዝድረኽን ዝተባባዕን ኢዩ። ሓደ ጳጳስ ካብቲ ቅዱስ ቍርባንን፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸሎትን ዝመንጨወ ጸጋ ተበጊሱ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ሓልዮቱ ዝርከቡ ሓባራዊ ናይ ፍቕሪ ኣብነት ይዀኖም ኢዩ።
ካልእ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓይላት ጳጳስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያን ጳጳሳት ኣድላዪ ዝዀነ እተፈላለየ ባህርያት ጳጳስ ኣጕልሑ፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ "ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈሳዊ ሓይሊ" ጕስነታዊ ጥቕውና፣ ወንጌላዊ ድኽነት ከምኡ ውን ፍቑም ተዓቅቦ ንጽሕና ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ጳጳሳት "ነቲ ዕንቅፋት ክኸውን ዝኽእል ኵነታትን ንዅሉ ዓመጻን ብፍላይ ከኣ ንነኣይሽቱን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዝምልከት ጕዳያትን ኣብ ምፍታሕ፣ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዚዓዪ ዘሎ ሕጊ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኬኽብርዎ" ኸም ዘለዎም ገለጹ።
ብተወሳኺውን ጳጳሳት "ንሰብኣዊ ሓይላት ንምምዕባ" ከም ዝጽውዑ ገለጹ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተገሎጹ ከም ፍትሒ ቅንዕና ርእሰ-ግትኣት ትዕግስቲ ናይ ምስማዕን ምምይያጥን ክእለት ከምኡውን ንኣገልግሎት ፍቓደኛታት ምዃኖም ከም ዘጠቓልል ውን ገለጹ።
ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወሱ ሰብኡት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ "ብጸሎት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን" ጳጳሳትንን ኣቢያተ ክርስቲያናቶምን ዝያዳ ዜድልዮም ጸጋ ኸም ዚረኽቡ ተስፋ ብምግባር ኣስተንትኖኦም ዛዚሞም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዛዘሚ ጸሎትም ብፍላይ ንጳጳሳት "ናይ ሕብረትን ሓድነት ሰብኡት ንኽዀኑ፣ ወትሩ ኣብ ሰበኻታቶም ሓድነት ንኽህልዎም" ክሕግዞም ጸለዩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ በሉ - "እዚ ናይ ሕብረት መንፈስ እዚ ንካህናት ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝገብርዎ ጻዕሪ የተባብዖም፣ ነታ ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ብሓድነት ከም እትዓቢ ይገብራ።"