ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱስ ስጋን ደምን ክርስቶስ እቲ ዝበለጸ መስዋእቲ ፍቕሪ
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፦
"ጐይታ ነቲ ኣብ ኣብ መንበረ ታቦት እነዕርጐ ቍርባን ህብስትን ወይንን ምስ መስዋእቲ ህይወትና ኣሰንዩ ይቕበሎን ይቕድሶን ይባርኾን እዩ፣ ነቲ መስዋእቲ ምድሓን ዓለም ዝኾነ መስዋእቲ ፍቕሪ፡ ናብ ቅዱስ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከኣ ይቐይሮ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፍልዎ ኣስተንትኖ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንኽብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓለ ሥጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ ኣኽቢራ፣ ነቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ዝኾነ ካብ ወንጌል እተወስደ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳታትን ዚገልጽ ንባብ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምርኩስ ብምግባር ድማ ብዛዕባ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ኣስተምሃሩ።
እቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኪሰምዕዎን ኪሓውዩን ዝመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንምምጋብ፣ ንሓዋርያት ካብቲ ዘለዎም ሒደት ኪህብዎን፣ ንሱ ድማ ኸኣ ነቲ እንጌራን ዓሳን ባሪኹ ንዅሎም ኪዕድልዎም ብኸመይ ከም ዝኣዘዞም ይገልጽ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ኵሉ ሰብ እኹል ምግቢ ስለ ስለዝተቐበለ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ነገራት እውን ስለ ዝነበረ እቲ ተኣምር ዜገርም ምዃኑ ዘከሩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "እዚ ተኣምር እዚ 'ምልክት' ጥራይ ዘይኰነስ ውህበት ኣምላኽ እንተላይ እቲ ዝነኣሰ ውህበት ኣምላኽ ውን ከይተረፈ ምስ ተካፈልናዮ ብዝያዳ ኸም ዚዓቢ እዩ ዜዘኻኽረና" ክብሉ ብሓጐስ ገልጹ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ምእመናን ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ በዓለ ቅዱስ ቍርባን ከንብብዋ እነከለዉ፣ ብዛዕባ ሓደ ኣሚቝ ሓቂ ከስተንትኑ ንሱ ድማ “ዝበለጸ ምክፋል” ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ናይ ሰብኣዊ ምክፋላት ውን ኢዩ ማለት ብዛዕባ እቲ "ኣምላኽ ምሳና ዘለዎ ምክፋል" ዚገልጽ ዓሚቝ ሓቂ ኺሓስቡ ኸም ዚዕድሞም ኣጕልሑ።
ህያብ ምቕባል ክሳዕ ክንደይ ትርጕም ዘለዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም "እቲ ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበና ፈጣሪ፣ ንሓንቲ ካብ ፍጡራቱ ንዝኾነት ሰበይቲ፣ ኸም ናትና ተነቃፍን ድሩትን መዋቲ ኣካል እትህቦ አደ ክትኮኖ ብምሕታት ንገዛእ ርእሱ ከም ሓደ ህጻን ናብኣ ተወፈየ" በሉ።
በዚ ተግባራት እዚ ኸኣ ጐይታ "ብልክዕ ነቲ ኽንህቦ ዝከኣለና ሒደት ነገራት ንድሕነትና ኽንጥቀመሉ ብምምራጽ ንድኽነትና ምሉእ ብምሉእ ተካፈሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ንሕና ክርስትያን ምእመናን "ከም ዓቕምና ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ ህያብ ክንህብ ከለና፣ እቲ ዚቕበሎ ኸም ዜማስወሉ ኽንርኢ ኸለናስ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ" ክብሉ ዘለዎም ዘበለ ክካፈሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
"ህያብ ምሃብ ቐሊል እኳ እንተዀነ፣ ናብቶም እነፍቅሮም ሰባት ከም እንቐርብ ዝገብረና ምዃኑ ምስ እንግንዘብ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ" ክብሉ ውን ገለጹ።
መስዋእቲ ፍቕሪ ንድሕነት ዓለም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎም፣ ብቅዱስ ቍርባን ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ተመሳሳሊ ክስተት ኢዩ ዜጋጥም ክብሉ ገለጹ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዝርከብ ህበትን ወይንን ምቕዳስ ንህይወትና መስዋእቲ ብምግባር ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ብምቕያር ንድሕነት ዓለም ምእንቲ ክንዓዩ ኢዩ ክብሉ ውን ገለጹ ።
"ኣምላኽ ነቲ ናብኡ እነወፍዮም ነገራት ብታሕጓስ ብምቕባል የሕብረና" ከምኡውን "ነቲ ውህበት ፍቕሩ ብሓጐስ ብምቕባልን ምስ ካልኦት ብምክፋልን ምስኡ ሓድነት ክህልወና ዕድመና" ብምባል ውን ኣረጋገጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ከምቲ ኻብ ብዙሕ እኽሊ ስርናይ ብሓደ ተኣኪቡ ሓደ ህብስቲ ዝኸውን፣ ብመስዋእታዊ ልግሲ ኸኣ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ንኸውን።"
በዓለ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሮማ
ኣስተንትኖኦም ቅድማኢ ምዝዛሞም ቅዱስ ኣቦና፣ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ነቲ ከተማ ሮማ ዝክያድ ሥርዓተ ዑደት ቅዱስ ቍርባንን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝመርሑ ገለጹ፣ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣትሒዞም፣ ብዑደት ቅዱስ ቍራናብ ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝግበር ዑደት ባዕሎም ቅዱስነቶም ከም ዝመርሕዎ ዝገጽ ኢዩ ዝነበረ።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከምዚ ክብሉ ኣመልክቱ "መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ከነዕርግ ኢና ፣ ብድሕሪኡ ከኣ ነቲ ልዕሊ ኵሩ ክቡርን ቅዱስ ቅዱስ ቍርባን ተሰኪምና ኣብ ጐደናታት ከተማና ክንዓውድ ኢና" በሉ። "ክንዝምር ክንጽሊ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ቅድሚ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሕና ንኣባይትናን ንስድራቤትናን ንዅሎም ደቅሰብን ቡራኬ ጐይታ ኽንልምን ኢና" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ እዚ በዓል እዚ "ንነፍስ ወከፍ መዓልትና ካብ መንበረ ታቦትን ሙዳየ ቅዱስ ቍባንን ጀሚርና ንምክፋልን ዕርቀ ሰላም ንምግባርን ክንጽመድ ናብ ልባትና ዜንጸባርቕ ምልክት" ኪኸውን ጸልዮም።