ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዶክተር ካርቦነ ዋና ኣመሓዳሪ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቫቲካን እንክብሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ናይ ዝርከብ ህዝባዊ ጽሬትን ጥዕናን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኑ ከገልግሉ ዝጸንሐ ዶክተር ሉዊጂ ካርቦነ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጥዕናን ጽሬትን ጉዳያት ቤት ጽፍሐት ዋና ኣመሓዳሪ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምንመግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዶክተር ሉዊጂ ካርቦነ ኣብ ቫቲካን ህዝባዊ ጽሬትን ጥዕናን ንምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ ዘለዎ ትካል ዋና ኣመሕዳሪ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎን ዶክተር ካርቦነ ክሳብ ሕጂ ምኽትል ዋና ሓላፊ ናይቲ ትካል ንነፍስሄር ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሕማሞም ዘሰነዮም ውልቃዊ ሓኪሞም እውን ከም ዝነበረን እዚ ሓድሽ እተሰምየ ዋና ኣመሓሪ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ሓላፍነቱ ነቲ ካብ 1 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ጀሚሩ ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኑ ዘገልገል ዘሎ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ንዘብዕል ፕሮፌሰር ኣንድርያ ኣርካንጀሊተኪኡ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ሓላፍነቱ ብወግዒ ክጅምር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒስ የመላኽት።
03 Jun 2025, 16:25