ቅድሚ 43 ዓመት ካብ ቫቲካን ምርድርባይ እምኒ ኣብ ዝምርሓቑ ኣባ ሮበርት ክህነት ተቐበሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ንዅላትኩም ብሓባራዊ እንጌራ ኽምግበኩምሲ ክገብሮ ዘይክእል ነገር እዩ። እዚ ቓል እዚ ግና ግደኹም እዩ። ካብቲ ንዓይ ውን ዚምግበኒ መኣዲ እምግበኩም ኣለኹ። ኣነ ኣገልጋሊኹም እየ።" እዘን ቃላታ እዚኣተን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ስብከት 339 እተዛረበን ቃላት፣ ኣብ መእተዊ ናይቲ ብ19 ሰነ 1982 ኣብ ናይ ተቕባል ካርድ ዕለተ ክህነት ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ተጻሒፉ ዝንበረ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ናይ ተቕባል ካርድ ክኸውን እተመጸ ኣይቆና ድማ ምስሊ ናይቲ ኣብ መበል 15 ዘመን ዝተሳእለ ሩስያዊ ኣይቆና ድራር ጸሎተ ሓሙስ ኢዩ ዝነበረ።
ኣርብዓን ሰለስተን ዓመት ይገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ልዮን መብለ 14 ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት ቅድስቲ ሞኒካ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣ እዚ ቤተ-ክርስትያን እዚ ኻብ ቫቲካንን ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚነብረሉ ዘለው ቤት ፒያዛ ደል ሳንት ኡፊቺዮን ምድርባይ እምኒ ዝኣክል ኢዩ ዝርሕቕ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ በልጅያ ሊቀ-ጳጳሳት ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ጃዶት ኣቐዲሞም ሓዋርያዊ ተወካሊ ህየንተ ሓዋርያዊ ልኡኽን እስያ ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበኾኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ንዘይ ክርስቲያን ሃይማኖታት ዝነብሩ መዓርገ ክህነት ኣቐበልዎም። ክቡር ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ክህነት ክቕበሉ እንከለዉ ወዲ 27 ዓመት ኢዮም ዝንበሩ፣ ድሮ ድማ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖስ ሕተ ቀኖና ኣጽኒዖም ነበሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ማሕበር ካህንት ኣጐስጢኖሳውያን ኣትዮም፣ ብ1981 ከኣ ናይ መወዳእታ መብጽዓ ፈጸሙ። ብ1985 ተልእኾ ወንጌል ንምፍጻም ናብ ፔሩ ተላእኩ ከም ሚስዮናዊ ድማ ኣብ ቹሉካናስ ፔሩ ኣገልገሉ።
እቲ ንዝኽሪ ዕለተ ክህነቶም ተባሂሉ እተመርጸ ጥቕሲ፣ ነቲ ኣብ ስብከት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝርከብ ካልእ ጥቕስታትን ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ መዝሙር (103, III, 9) ዚርከብ "ንስኻ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ኢኻ" ዚብል ሓሳባት እዩ ዜዘኻኽር። “ነቶም ክርስቶስ ዘገልገሎም እተደአ ኣገልጊልካ ... እቲ ብደሙ ዘናግፈካ ኣገልጋሊ ገበረካ ... ነቶም ኣገልገልትኻ ብስም ጐይታኻ ብኸመይ ከም እተፍቅሮም ፍለጥ። ብፍታው ኰነ ብዘይ ፍቓድ ንሕና ገላዉ ስለ ዝዀንና ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብጽቡቕ ከም እንዓዮ ይግበረና፣ እንተኾነ ግን ብናትና ድሌት እንተደኣ ዄንና ግን ካብ ፍቕሪ ተበጊስና ደኣ እምበር ካብ ግድነት ኣኮነን።
እዘን ብዛዕባ ኣገልጋሊ ምዃን ዝዛረባ ቃላት ኣብቲ ብዕለት 31 ግንቦት 2025 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ እዞም ሓድሽ ናይ ሮማ ጳጳስ ዝመርሕዎ ሢመተ ክህነት ናይ ዓሰርተው ሓደ ዲያቆናት ሰበኻ ሮማ ዘቃልሓ ቃላት ኢያተን ዝነበራ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም "ፍቑራት ተሰየምቲ ብመገዲ ኢየሱስ ተሓጸኑ! ህዝቢ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና ኣብ ምድሪ ማለት ምስ ፍጽምቲ ዓለም ዘይኰነስ ምስ ናይ ሓቂ ዓለም ኢና እንተኣሳሰር። ከም ኢየሱስ እቶም ኩሎም ኣቦ ኣብ መገድኹም ዘንበሮም ሰባት ስጋን ደምን ዘለዎም እዮም። እቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህበት ከም ፍሉይ መሰል ጌርኩም ከይወሰድኩም፣ ንርእስኹም ከየግለልኩም፣ ንሓድሕድኩም ከይተፈላለኹም ገዛእ ርእስኹም አወፍዩ ። ... ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን 'ፍቕሪ ክርስቶስ ብሓቂ ትውንነና እያ! ሓራ ዜውጽኣናን ንዋላ ሓደ ኸይንውንኖ ዜኽእለናን ጸዋዕታ እዩ ። ሓራ ኣውጽኡ ኩኑ ደአ እምበር ወነንቲ ኣይትኹኑ። ናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና ከነማስወሉን ከነካፍሎን እንኽእል ካብዚ ዚዓቢ ሃብቲ የብልናን። እዚ ሃብቲ እዚ ጥራይ እዩ ምስ እንማቐሎ ዝበዝሕ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 30 መስከረም 2023 ንቤተ ጸሎት ቅድስቲ ሞኒካ ነቶም ሓድሽ ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት ከም ዲያኮኒያ ገይሮም ኣወፈዩሎም።