ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ፈረንሳ ተሓድሶ ተልእኾ ወንጌል ክግበር ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዞም ሰለስተ ቅዱሳት ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ዘጋጥማ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ንእትገብሮ ጉዕዞ ኣብነት ምዃኖም ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፣ "ድሕሪ ሓደ ዘመን ኣብ ፈረንሳ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት ዕቤትን፡ ኣብ ምግጣሞሙን ኩሉ ግዜ ዝረኣዩ ባህርን እዞም ሰለስተ ቅዱሳን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰለስተ ፈረንሳውያን ቅዱሳን
ፈለማ፡ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ጠበቓ ተልእኾ ወንጌል ቢላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሰመየታ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረት ዕለት 17 ግንቦት 1925 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያብ ቅድስና ዝኣወጀትላ ፈረንሳዊት ቀርመለሳዊት መነኮስ ቅድስቲ ቴረዝ ዘሊዝየ፡ ዝኽሪ መበል 100 ቅድስና ምኽንያት ቅዱስነቶም ናብ ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “እታ ዓባይ ሊቀ ቤተ ክርስቲያን ስነ - ፍልጠት ፍቕሪ ኣምላኽ ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህይወታ፡ ብፍቓደይናነትን ብሓድሽነትን ስም ኢየሱስ እስትንፋሳ ዝገበረት” እንክብሉ ገሊጾም። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ፒዮስ መበል 11 ንኽልተ ፈረንሳውያን ካህናት፣ እቲ ቀዳማይ ቅዱስ ዮሓንስ ኤውደስ (1601–1680) ዝበሃል መስራቲ ማሕበራት ኢየሱስን ማርያምን ሓልዮት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሕይወቱ ንህንጸት ካህናትን ኣብ ቍጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ጸገም ንዝርከባ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ንምድጋፍን መንፈሳውነት ቅዱስ ልቢ ኢየሱስን ማርያምን ኣብ ምስፋሕ ዝተወፈየ ምንባሩ ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ካልኣይ ካህን ድማ ቅዱስ ዣን-ማሪ ቪያኒ (1786–1859)፡ ብዝያዳ ብጉስነታዊ ቅንኣቱን ብናይ ኣገልግሎት ምስጢረ ንስሓን ብጽዑቕ ናይ ጸሎት ህይወቱን “ክህነት ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ እዩ” ብዝብል ትምህርቱ ዝፍለጥ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም የስተብህሉ፣
ኣብነት ሕውየት
'ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቶም ኣብ ፈረንሳ ንዝርከቡ ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት እዋጅ ቅድስና እዞም ሰለስተ ፈረንሳውያን ደቂ ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ናብ ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝስምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ “ናይ ምስማዕ መምሃራን፡ ክምሰሉ ዝግበኦም ኣርኣያታት፡ ከምኡ’ውን ክጽለዩን ክጽውዑን ዘለዎም ሓያላት ኣማላድቲ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዘማእከለ “Dilexit nos ውእቱ አፍቀረነ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቶም፣ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።
ክርስትያናዊ ውርሻ ፈረንሳ
ናይዞም ሰለስተ ፈረንሳውያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን መበል ሚእቲ ዓመት ዓዋጅ ቅድስና “ጐይታ ኣብ ፈረንሳ ንብዙሕ ዘመናት ስብከተ ወንጌልን ክርስትያናዊ ሕይወትን ዝፈጸሞ ተኣምራት ንምምስጋን ዕድመ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ "ቅዱሳን ብቕጽበት ኣይኰኑን ዝውለዱ፣ የግዳስ ብጸጋ ካብቶም እምነት ከመሓላልፉ ዝኸኣሉ ህያዋን ክርስትያናት ማሕበረሰባት ኢዮም ዝውለዱ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “እዚ ክርስትያናዊ ውርሻ ክሳብ ሕጂ ናትኩም እዩ” እንክብሉ ንካቶሊክ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብምዝኽካር፣ "ሕጂ'ውን እዚ ውርሻ እዚ ኣብ ባህልኹም ብዕምቆት ሰሪጹ ኣብ ብዙሕ ኣልባብ ህዝቢ ፈረንሳ ህያው ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ ድማ እየ እዚ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣዋጅ ቅድስና እዚም ሰለስተ ፈረንሳውያን “ዝጠፍአ ክመስል ዝኽእል ሕሉፍ ምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተስፋን ሓድሽ ተልእኾ ወንጌልም ድርኺት ዘበራብር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
'ተኣምራት ተሓድሶ'
እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ቅዱሳን ንፈረንሳ ምስ ጸገወ፣ እንደገና “ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸሞ ተኣምራት ከሐድሶ” ዝከኣሎ እውን እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን ሓላዊት ተልእኾ ወንጌል ቢላ ዝሰመየታ ቅድስቲ ተረዛ ኣብታ ዝተወለደትላ ሃገረ ፈረንሳ ሓላዊት ተልእኾ ወንጌል ክትከውን ኣይትኽእልን ድያ?” ዝብል ሕቶ ቅዱስነቶም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝተወለደትላ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለም ሓላዊት ተልእኾ ወንጌል ምዃና ኣይንረሰዕ” ቢሎም፣ እቶም ክልተ ቅዱሳን ካህናት ብፍላይ ኣብ እዋን ሕጽረት ካህናትን ንመንእሰያት ንጻዋዕታ ኣምላኽ ምላሽ ንኽህቡ ዘተባብዑን ድኻምን ፈተናታትን ካህናት ናቶም ገይሮም ብጸሎት ናብ ጎይታ ብምቕራብ ጸዋዕታ ክህነት ምትብባዕ ቀንዲ ተልእኾኦም ገይሮም ዝነበሩ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፣ እቶም ኣብ 1925 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ሰለስተ ደቂ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ንፈረንሳን ንሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን "ተጻብኦን ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጽልእ ዝመልኦ ንፋስ ዘይምግዳስን ፍትወት ንዋይን ውልቃውነትን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን” ከማልዱ ተማሕጺኖም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።