MAP

ዝመጽእ ዕጹው ጉባኤ ልዕሊ 120 ካርዲናል መረጽቲ ካርዲናላት ዘሳተፈ ቀዳማይ ጉባኤ ክኸውን ዝመጽእ ዕጹው ጉባኤ ልዕሊ 120 ካርዲናል መረጽቲ ካርዲናላት ዘሳተፈ ቀዳማይ ጉባኤ ክኸውን   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ዝመጽእ ዕጹው ጉባኤ ልዕሊ 120 ካርዲናል መረጽቲ ካርዲናላት ዘሳተፈ ቀዳማይ ጉባኤ ክኸውን

ኣብቲ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅምር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ንፈለማ ግዜ 133 ካርዲናላት ዘሳትፍ ከም ዝኸውን ክሕበር እንከሎ፣ እንተኾነ ግን ጉባኤ ካርዲናላት ነቲ 120 መረጽቲ ካርዲናላት ዘሳትፍ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ገደብ ክሰግር ንመጀመሪያ ግዜ ከም ዘይኮነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅመር ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት፣ ትሕቲ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 133 ካርዲናላት ዘሳትፍ ከም ዝኸውን ክረጋገጽ እንከሎ፣ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም (UDG) ዝርከብ ሕጡበ - ጽሑፍ መሰረት ብምግባር፣ 120 ዝብል ደረት ድምጺ ዝህቡ ካርዲናላት ክንየው፣ 13 ካርዲናላት ሓዊሱ ብጠቕላላ 133 ካርዲላት ዘሳትፍ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ካርዲናላት ተወኪሱ ከመላኽት እንክሎ፣ ይኹን እምበር ኣብ ቅዋም ዝተቐመጡ ግልጺ ዝኾኑ መምርሕታት እኳ እንተሃለዉ ብዝሒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጹ ካርዲናላት ብዙሕ ግዜ ካብቲ ዝተወሰነ ደረት ንላዕሊ ኮይኑ ክካየድ እዚ ናይ 2025 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ከም ዘይኮነ የረጋግጽ።

ኣብ ትውፊት ዘሎ ኪደት ምድላው ሕርየት ተኸፍታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ዕለት 1 ጥቅምቲ 1975 ዓ.ም.  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ዝደንገግዎ Romano Pontifici Eligendo - ምምራጽ ጳጳስ ዘሮሜ፣ ዝብል እርእስቲ ዝተበሮ ቅዋም፣ "ዝበዝሕ ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ናይ ዝሳተፉ ብዝሒ ካርዲናላት ካብ 120 ክበልጽ የብሉን ዝብል ትእዛዝ ዝተነብሮ ከም ዝኾነን፣ ይኹን እምበር ኣቐድም ኣቢሎም እውን ኣብ 1969 ዓ.ም. ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 134 ከም ዘብጽሕዎ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ 120 ዝብል ገደብ ብዝሒ መረጽቲ ካርዲናላት ደጊሞም ዘረጋገጽዎ እውን እንተኾነ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን ካብዚ ቝጽሪ እዚ ዝበልጽ ካርዲናላት ሰምዮም እዮም።

እዚ እውን ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት ዝተራእየ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ዘመን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. 160 ካርዲናላት ካብ ዚኣቶም 121 መረጽቲ 39 ዘይመረጽትን ዝሓዘ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝፈጠሩን፣ ዕለት 21 ለካቲት 1998 ዓ.ም. 165 ካርዲናላት ካብዚኣቶም እቶም 122 መረጽቲ እቶም 43 ድማ ዘይተመርጽቲ ዝሓቖፈ ጉባኤ ካርዲናላት ምንባሩ ይዝከር። ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. 183 ካርዲናላት ካብዚኣቶም 136 መረጽትን 47 ዘይመረጽትን ዝሓቆፈ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝነበረን፣ ከምኡውን ዕለት 21 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. 194 ካርዲናላት ካብዚኣቶም 134 ምረጽቲ 60 ዘይመረጽትን ዝሓዘ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ትሕቲ ደረት ምጽናሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ቁጽሪ ናይቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጹ ካዲናላት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ክብ ከም ዘበልዎን፣ ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. 203 ካርዲናላት፡ ካብዚኦም 121 መራጽቲ፡ 82 ዘይመረጽቲ ኣባላት ከም ዝነበሮን፣ ከምኡ’ውን ዕለት 18 ለካቲት 2012 ዓ.ም. 213 ካርዲናላት፣ ካብዚኦም 88 ዘይመረጽቲ፡ 125 ድማ መረጽቲ ኣባላት ዝሓዘ ክኸውን ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ኣብ 2013 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ካብ መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክለቑ እንከለዉ ጉባኤ ካርዲናላት 207 ካርዲናላት ዝሓቖፈ እዩ ነይሩ፣ እቶም 117 ጥራይ እዮም ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም።

ፍራንቸስኮ እውን ነዚ ተኸቲሎም ቁጽሪ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ልዕሊ 120 ኣባላት ዝሓዘ ክኸውን ገይሮም እዮም።

-       ዕለት 22 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት 218 ካብኣቶም 122 መረጽቲ፣ 96 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 14 ለካቲት 2015 ዓ.ም. 227 ካርዲናላት፣ ካብኣቶም 125 መራጽቲ፣ 102 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. 228 ካርዲናላት፣ 121 መረጽቲ፣ 107 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 28 ሰነ 2017 ዓ.ም. 225 ካርዲናላት፣ 121 መረጽቲ፣ 104 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 28 ሰነ 2018 ዓ.ም. 226 ካርዲናላት፣ 125 መረጽቲ፣ 101 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. 225 ካርዲናላት፣ 128 መረጽቲ፣ 97 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. 229 ካርዲናላት፣ 128 መረጽቲ፣ 101 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 27 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. 226 ካርዲናላት፣ 132 መረጽቲ፣ 94 ዘይመረጽቲ።

-       ዕለት 3 መስከረም 2023 ዓ.ም. 242 ካርዲናላት፣ 137 መረጽቲ፣ 105 ዘይመረጽቲ)

-       ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. 253 ካርዲናላት፣ 140 መረጽቲ፣ 113 ዘይመረጽቲ

ዝሓዘ ጉባኤ ካርዲናላት ኣቑቕይሞም እዮም።

ፍሉይ ኩነታት ከጋጥም ዝከኣል እዩ

ዋላ እኳ እቲ 120 ኣባላት ዝሓዘ ጉባኤ ካርዲናላት ዘቐምጦ ደረት ምሕላፍ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተራእየ እንተኾነ፣ እዚ ናይ 2025 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ ዕጽው ጉባኤ ልዕሊ 120 ካርዲናላት መረጽቲ ዘለዎ ቀዳማይ ዋዕላ ክኸውን እዩ።

ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 30 ሚያዝያ 2025 ዓ.ም.  ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኩሎም 133 መረጽቲ ኣብቲ ዝመጽእ ጉባኤ ናይ ምስታፍ መሰሎም ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ልዕሊ 120 ካርዲናላት ብምፍጣር፣ ነቲ ኣብ (UDG) ናይ ቁጽሪ ገደብ ክስገር ከም ዘፍቀዱ እውን ጉባኤ ካርዲናላት ኣዘኻኺሮም፣ ስለዚ “ነዚ ድማ ሓዋርያዊ ቅዋም እንተ ላእሌ ኵሉ ኖላዊ መርኤት፣ ሕጡበ - ጽሑፍ 36 መሰረት ገይሮም እቶም ትሕቲ 80 ዓመት ዕድመ ዘለዎም፣ ካርዲናል ካብ ዝኾኑሉ ህሞት ጀሚሮም፣ ናይ ሮማዊ ጳጳስ ናይ ምምራጽ መሰል ረኺቦም እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምርጫ ዘመሓድር ሓዋርያዊ ቅዋም እንተ ላእሌ ኩሉ ኖላዊ መርኤት ሓዋርያዊ ቅዋም ወሲኹ፣ ብጀካ ብሕገ ቀኖና ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ወይ “ብፍቓድ ሮማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ካርዲናልነት ማዕርጉ ዝተቐንጠጠ” ካርዲናል፣ ካልኦት ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካርዲናላት ኣብ ምምራጽ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ዘነጽር እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 May 2025, 17:13