ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ መወዳእታ ህያብ ንቓዛ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ ሰላም ኣብዛ ብግርጭት ዝተዋሕጠት ዓለም ብቐጻሊ ይደምቕ ኣሎ። ኣብ ምድራዊ ተልእኾኦም ምስቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘርኣይዎ ቅርበት ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም እውን ይበርህ ኣሎ። እዚ እታ ባዕሎም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንዝርከቡ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ምመናን ሰላምታ ንምቕራብ ዝንቀሳቐሱላ ዝነበረት ክፍትቲ ማኪና ናብ ተንቀሳቓሲት ኣሃዱ ንክንክን ጥዕና ክትቕየር እያ።
ንደቂ ቓዛ ናይ መወዳእታ ትምኒት
ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ነቶም ኣብ እዋን ጵጵስናኦም ብዙሕ ቅርበትን ሕብረትን ንዘርኣይዎም ሰባት ናይ መወዳእታ ትምኒቶም፣ እታ ዝንቀሳቐሱላ ክፍትቲ ማኪና ንሕጻናት ቓዛ እተገልግል ተንቀሳቓሲት ቤት ሕክምና ክትከውን ዝብል ኮይኑ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ከኣ፣ ነቲ ኣብ ቓዛ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ቈልዑ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው መልሲ ንምሃብ፣ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ተነቅሳቓሲት ማኪና ንጨንፈር ካሪታስ የሩሳሌም ብሕድሪ ከም ዝሃቡን፣ ኣብ መንጎ ዘስካሕክሕ ውግእ ምፍራስ መሰረታዊ ስርዓታት ጥዕናን ትምህርትን ዘጋጥም ጥሜትን ረኽስን ብዓቢዩ ዝጥቅዑ ቆልዑ እያቶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ፣ "ቈልዑ ቝጽርታት ኣይኰኑን። ወጅሂ፣ ስም ታሪኽ ዘለዎም እያቶም። ኵሉ ሕይወት ክቡርን ዘተቀደሰን እዩ" ይብሉ ከም ዝነበሩን፣ ነቲ ዝብልዎ ዝነበረ ድማ በዚ ናይ መወዳእታ ትምኒቶም ኣቢሎም ናብ ተግባር ይትርጒምዎ።
እታ ናብ ተንቀሳቓሲት ቤት ሕክምና ህጻናት ክትቐይር ዝደልይዎ መንቀሳቐሲት ማኪናኦም፣ ናይ ሕክምና መርመራ ከምኡውን ንሕክምና ዝኸውን መሳርሒታት፣ ኮታ ህይወት ዘድሕን ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና ናውቲ ክህልዋ እዩ። እዚ ድማ ሓካይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ኣጋጣሚታት ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ፣ ኣብቲ ግሉል ኵርናዓት ቓዛ ንዝርከቡ ቘልዑ ንኽበጽሕዎም ዘኽእሎም ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ዋና ጸሓፊ ኣብ ሽወደን ጨንፈር ካሪታስ ፒተር ብሩነ፣ "በታ ማኪና ኣቢልና ነቶም ሎሚ ክንክን ጥዕና ዘይብሎም ዝቘሰሉን ብሕጽረ ዝተመጣተነ መግቢ ንዝተፈላለየ ሕማም ንዝተቓልዑ ቈልዑ ንኽንበጽሖም ንኽእል ኢና" እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ "እዚ ስርዓት ጥዕና ቓዛ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ጭቡጥ ዝዀነ ህይወት ዘድሕን ምእታው ኢዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ፍጹሚ ከይርሳዕ ዝቐረበ ዕድመ
ኣንቶን ኣሻር ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ "እዛ ማኪና እዚኣ ነቲ ቅዱስነቶም ነቶም በቲ ቕልውላው ኣዚዮም ንዝሳቐዩ ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕበረተሰብ ዘርኣይዎ ፍቕርን ሓልዮትን ቅርበትን እተመልክት እያ" ቢሉ፣ እቲ ውጥን ዝያዳ ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ዝወሃብ ክንክን ጥዕና ብጥንቃቐ እተወሃሃድ እውን እያ ከምዝበሉን ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ሽወደን ብሩነ እውን ብወገኑ፣ "ማኪና ጥራይ ኣይኰነትን . . . ዓለም ንደቂ ቓዛ ኸም ዘይረስዓቶም ዚገልጽ መልእኽቲ እውን እያ" እቲ ዝተረፈ ኽፋል ዓለም እውን ንደቂ ቓዛ ከይርስዖም ዕድመ እያ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።