MAP

2025.05.05 ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬት 1964 ዓ.ም. 2025.05.05 ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድስቲ መሬት 1964 ዓ.ም.  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣቦነት ጴጥሮስ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድርያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ብዛዕባ ኣቦነት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘማእከለ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "ኣቦ ዅሉ ሰብ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓድሽ ተካኢ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝተጸውዐ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ጽዑቕ ሰዓታት፡ ሓደ መሰረታዊ መዳይ ኣገልግሎት ጳጳስ ሮማ ምዝካር ይግባእ - ብፍላይ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣቦ ዝብል ዝህቦ ክቡር ግንዛበ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፣ ዘይተጸበይዎ ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ተኣወጀ፣ ዘኽታማት - ኣቦ ከም ዝሰኣኑ ኮይኖም ከም እትሰመዖም ዝተራእየ ሓቂ እዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1964 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ካብ ዘካየድው ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ተመልሰሱ፣ ምስቲ ዣን ጊተን ዝስሙ ፈላስፋ ዓርኮም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ኣቦ ናይ ምዃን ተመክሮኦም የስተንትኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኵለን ሃይማኖታት ብዝተዋጽኡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ክቕበልዎም፣ ዘይርሳዕ ሕቝፊ እንክብሉ ከም ዝዘከርዎ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ምስቲ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝገበርዎ ርክብ ብምዝካር ንዓርኮም ፈላስፋ ጊተን፣ "ካብ ኵሉ ንር.ሊ.ጳ. ዝወሃብ ክብሪ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘቐንእ ኣቦነት ምዃኑ እየ ዝኣምን - ቢሎም - ሓደ እዋን ኣብ እዋን ሓደ በዓል ንፒየስ መበል ዓሰርተ ክልተ ኣብ ዘሰንየሉ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ናብ ማእከል ህዝቢ ኣትዮምን ህዝቢ ድማ ተጨናኒቑ ክትንክፎም ክትርእይ ኣክንዲ ዘሰንብዶም ብርታዐ ክህቦምን ገጾም ክበርህን እየ ዝረኣኹ ከም ዝበሉን፣ እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ኣቦ ምዃንን ብሕታዊ ኣቦ ምዃንን ፍልልይ ኣሎ። ኣቦ ምዃን ነቲ ኣብ መዓልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ምሳና ዘሰንየና መንፈስን ልብን ዝመልእ ስምዒት ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ክንኪ ዘይክእል ግን ከኣ ቍጽሪ ውላድ ምስ ዝዓቢ ዝዓቢ እዩ።”

"ኣቦነት ዕማም ኣይኰነን። ኣቦነት ዘየቋርጽ ጸዋዕታ እዩ። ስለዚ ኣቦ ዅሎም ደቂ ሰብ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዘኪሩ፣ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ኣብ ኣእምሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ወትሩ ሓድሽ ወትሩ ዝውለድ፣ ወትሩ ናጻን መሃዝን ኢዩ። “ንኽባርኽ ኢደይ ሓፍ ኣብ ዘብለሉ እዋን እውን ድኻም ፈጺሙ ኣይስምዓንን ነይሩ፣ ክባርኽን ወይ ይቕረ ንምባልን ከቶ ኣይደክምን እየ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

"ኣብ ቦምበይ ምስ በጻሕኩ፣ ናብቲ ናይ ህዝባዊ ባይቶ ህንጻ ንምብጻሕ ዕስራ ኪሎሜተር ምጒዓዝ ዝሓትት እዩ ዝነበረ፣ ማእለያ ዘይብሉ፡ ጽዑቕ፡ ብጽሞና፡ ደው ቢሉ ኣብ ጽርግያ ተሰሪዑ - መንፈሳውን ድኻን ህዝቢ፡ እቶም ህንጡያት፣ ፍርቂ ክዳን ዝለበሱ፣ ትኩራት ህዝቢ፣ ርኹባትን ድኻታትን ኮታ ነቲ ኹሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ህዝቢ እየ ዝረኣኹ፣ ቡራኬ ካብ ምሃብ ኣየቋረጽኩን፣ ኣቦነት ጴጥሮስ ዘነጽር ኩነት እንክብሉ ቶርኒየሊ ኣብ ጸውጽእዎ ዓንቀውጽ ይሕብሩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ተካኢ ጴጥሮስ ሓው እዩ፣ “ካብ ኩሉ ዝንእስ” ምኽንያቱ ጾር ኩሉ ስለ ዝስከም ትሑት እዩ። ቅድሚ እቲ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ተመክሮ ሓያሎ ኣዋርሕ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ቃል ብቓሉ ብሕቑፊ ህዝቢ “ክትክበብ” እንታይ ማለት ምዃኑ ድሮ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ናብ ቅድስቲ መሬት ዝገልጽ እዩ።

ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ደማስቆ፡ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ እተሓሰበ ስነ - ስርዓት ኣቀባብላ ቀይይርዎ እዩ። . . . ኣቦነት ጴጥሮስ ንኹሉ ዝሓቑፍ እዩ እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየል ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

06 May 2025, 16:46