ር. ሊ. ጳ. ንዲፕሎማሳዊ ኣካላት፦ ብፍትሕን ሓቅን ተስፋን ሰላም ህነጹ ክብሉ ተማሕጸንዎም
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣባላት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ሎሚ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለገሱሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመጀመርታ ግዜ ንዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ ኣፈ ጉባኤ ናይ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ዘመነ ኣገልግሎቱ ዝውድእ ዘሎ ኣምባሳደር ጆርጅ ፑሊደስ ብዓል ቆጵሮስ፣ ምእንቲ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝለገሶ "ሓይልን ቈራጽነትን ሕያውነትን" ከምኡውን ነቲ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ቅድሚኦም ዝነበሩ ጳጳሳት ዝረኸቦ ኣኽብሮትን ናእዳን ብምጥቃስ ኣመስገንዎ።
ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን ወከልቶምን ምልስ ብምባል፣ ነቲ ማሕበረሰብ ናይ ሥነ ሜላዊ ክልኣዊ ርክባት ዲፕሎማስያዊ ከም ሓንቲ ስድራቤት ገይሮም ብምግላጽ ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እተሰረተ ስድራቤት ከም ምዃኑ ብምግላጽ፣ ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ደቅሰብ ንምግልጋል ንዝገበረቶ ቘራጽነት ውን ኣረጋገጹሎም። ቅድሱነቶም ብምቕጻል ኣብዛ ስድራቤት እዚኣ ቤተ-ክርስትያን ብሕታዊ ነገራት ዘይኰነስ ድልድል ናይ ምህናጽ ኣጋጣሚታት ከም ኣብ ምሕናጽ ከም እትጽዕርን ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ በቲ ኣብ ሓዋርያዊ ጕስነት እተመስረተ ፍሉይ ዓይነት ዲፕሎማሊሳዊ ርክባታ ኣቢላ ድልድል ክትሃንጽ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ኢያ እትደሊ ክብሉ ውን ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣስዕብ ኣቢሎም፣ እዚ ተልእኾ እዚ ንውርሻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ከም ዘቃልሕ ውን ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘሕለፍዎ ህይወቶም ብምስትንታን ድማ "ዶባት ሰጊረ" ከምኡውን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታትን ሃገራትን ዘለዋ ርክብ ከደልድሉ ከም ዝደልዪ ገለጹ።
ሰለስተ ኣዕኑድ - ሰላምን ፍትሕን ሓቅን
ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለገስዎ መደረ ሰለስተ ኣገዳሲ ቓላት ኢዩ ዝነብረ፣ ነዚ ድማ ኣዕኑድ ናይ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝኾነ ንጥፈታት ቤተ - ክርስትያን ከምኡውን መሰረት ናይቲ ቅድስቲ መንበር እተካየዶ ዲፕሎማስያዊ ተሳትፎ ማለት ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ኢዩ ክብሉ ጸውዕዎ ።
ሰላም
እታ ቀዳመይ ቃል ማለት ሰላም ፣ ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ "ናይ ክርስቶስ ቀዳማይ ውህበት" ከም ዝዀነ ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ናይ ሸ ሰላም ክበሃል እንከሎ ብትሕትናን ብጥንቃቐ ብምዝራብ ከምኡውን ትዕቢትን ሕነ ምፍዳይን ካብ ልቢ ሰብ ብምውጋድ ክጅምር ከም ዝለዎ ኣመልከቱ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ኣጽዋር ጥራይ ኣይኰነን ኬቝስልን ኪቐትልን ዚኽእል" ቃላት እውን እንተ ኾነ ንሰባት የቍስል ኢዩ ክብሉ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሃይማኖታዊ ናጽነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ዘተን ሰላም ኣብ ምምዕባል ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ ። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብዘይ ሓቀይና ምርጋፍ ኣጽዋር ሰላም ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ " ክብሉ ዘጠንቀቕዎ ናይ መወዳእታ ለበዋኦም ነቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቶም ንከተማን ንኣለምን ክብሉ ዝመሓላለፍዎ ብምዝካር፣ ብዝሓ ጐናውነት ዲፕሎማሲ ክምዕብልን፣ ቅድድም ምፍራይ ኣጽዋር ደውክብልን ወሳኒ ግደ ከም ዝለዎ መጠን ጻውዒት ኣቕረቡ ።
ፍትሒ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ካልኣይ ቃል ማለት ናብ ፍትሒ ምምላስ ብምባል፣ ብዛዕባ ተዘክሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 13ን ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ሰፊሕ ትውፊት ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርቲ ኣስተንተኑ። ኣብ ዓለም እናዓመቘ ዚኸይድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ማዕርነት ስለ ዘለዋ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሕቲ ዓለም፣ ስድራቤታት ገንዘብ ኬውፍሩን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ "ኣብ ማኅጸን ካብ ዘሎ፣ ኽሳዕ ኣረጋውያን ካብ ሕሙማት ክሳዕ ስራሕ ዘይብሎም ዜጋታት ከምኡውን ስደተይናታት" ክብሪ ክረኽቡ ተማሕጸኑ።
ብድሪ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ኸም ህጻን ስደተኛ መጠን ንዝነበሮ መንነት ኣሕጽር ኣቢሎም ብምስትንታን፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ወይ ዜግነት ብዘየገድስ ኣብ ሓባራዊ ሰብኣዊ ኽብሪ ናይ ኵሎም ደቂ ሰባት እተመስረተ ዝያዳ ሓድነት ክህሉ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ ።
ሸ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ቃል ክዛረቡ ኸልው፣ ሓቀይና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ሰላማዊ ርክባትን ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ። ኣብዛ ኽውንነት ዝሰኣነት ብፍላይ ብኢንተርነት እተዛባዕ ዘላ ዓለም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጸጋሚ ወይ ግጉይ ምርዳእ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ቤተ-ክርስትያን ምስ ብፍቕርን ሓቅን ክትዛተ ግዴታ ኸም ዘለዋ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
"ሸ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ደኣ እምበር ዘይጭበጥ ስርዓት ኣይኰነትን" ድማ በሉ። ደቂ ሰብ ንኸም ፍልሰት ተክኖሎጂ ወይ ኣከባቢ ዕንወት ዝኣመሰለ ኣዝዩ ህጹጽ ብድሆታት ብሓድነትን ብሓባራዊ ዕላማን ንኽዋጽኡሉ ዘኽእሎም እዚ ሸ እዚ ምዃኑ ድማ ኣመልከቱ።
ሓድሽ መገዲ ንምርካብ ተስፋ ግበር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሉዮን መበል 14 ኣብ ምዝዛም መደረኦም፣ ንዘለዎም ኣገልግሎት ኣብ ዙርያ ዓመተ ኢዮቤል ብምእታው ብዛዕባ ዓመተ ተስፋ ተዛረቡ።
ኣብ መወዳእታ ነታ ዅሉ ወድ-ሰብ ብኽብርን ብሰላምን ዝነብረላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ምስ ኵሉ ህዝቢ ንምጕዓዝ ዝገበርዎ ቘራጽነት ኣሐደሱ ። "ካብቲ ከም ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ስቓይ ዝበዝሖ ቦታታት ኣትሒዞም፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ከምዚ ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኣሎኒ" ብምባል መደረኦም ዛዘሙ።