MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን መሪካን ካሪቢያንን ምልክት ጉባእያውነት ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን መሪካን ካሪቢያንን ምልክት ጉባእያውነት ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን መሪካን ካሪቢያንን ምልክት ጉባእያውነት ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ናብቲ ናይቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ካርዲናል ስፐንግለር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፣ እቲ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ስለ ዝነብሮ ንጡፍ ኣገልግሎት ወንጌልን ከምኡ እውን ኣብታ ፍቕርቲ ኣህጉር ንነጋዲያን ህዝበ እግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ጉስነት የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM) ስለ’ቲ ውዕዉዕ ወንጌላዊ ኣገልግሎቱን ከምኡ’ውን “ምልክት ጉባእያውነትን ናይ ርክብን ምትሕብባርን ኣገልግሎትን ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብኩም ኣመስግን እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናብ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣቦ መንበር ኣብ ብራዚል ናይ ፖርቶ ኣለግረ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጃይመ ስፐንግለር፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም፣ እቲ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስ ቆጵሳዊ ጉባኤ፡ መበል 40 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ የብዕል ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM)
ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን “እዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዘቕርቦ ብድሆታት ብሓባር ንኽመምዩን ብልባውን ውጽኢታውን ሓድነትን ብመሰረት መዐቀኒ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ናብ ፍታሕ ዝመርሕ ጉስነታዊ ተበግሶታት ንምልላይ ብጉባእያውነት መንፈስ ተኣኪቦም ከምዘለዉ” ኣስሚሮም፣ እቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ህላወ ኣብ ኣገልግሎት ነፍሲ ወከፍ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት እቲ ኣህጉርን “ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌልን ኣብ ጉስነት ናይቶም ኣብታ ፍቕርቲ ኣህጉር ነጋዲያን ዝኾኑ ምእመናን ቅዱስ ህዝቢ እግዚኣብሔር” ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት፣

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ታሪኻዊ ኩነታት “ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብደረጃ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ብሰንኪ ቀጻሊ ዝዀነ ቕልውላው መከራን ድኽነትን ዝሳቐዩሉ ዘለዉ፣ ብህጹጽ እቲ ኣብ ማእከልና ዘሎ ንቤተ - ክርስትያን ዘዕቍባ ከምኡውን ዝመርሓ ብተስፋ ዘሐድሳ በቲ 'ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኣብ ልብና ዝፈሰሰ' ፍቕሪ ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና” ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንክርስቶስ "ንቤተ - ክርስትያን ኣብቲ ምስ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንምርኻብ እትገብሮ ተልእኾ ከደልድል፡ መልእኽቲ ድሕነት ኢየሱስ ክትእውጀሎም፡ ከምኡውን ኣብቲ ምስኡ ብብሕቲ ምርኻብ ዝጽግዎ ሓጐስ ከም ዝካፈሉ ኽትገብሮም" ክሕግዘና ንለምኖ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ከምኡ'ውን "ነታ ንሱ ብሕድሪ ክህበኒ ዝደለዮ ኵላዊት ቤተክርስትያን ኣብ እምነት ናይ ምጽናዕ ኣገልግሎት ኩሉ ግዜ እሙን ኮይነ ክርከብ ምእንታይ ናብ ሕያዋይ ጓሳ ጸልዩ ሓደራ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 May 2025, 15:54