ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ 'ሰላም ምስ ኵላትኩም ይኹን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝወጹሉ ኣጋጣሚ ንከተማ ሮማን ንዓለምን በዚ ዝስዕብ ቃላት ሰላምታን ቃል ቡራኬን ኣመሓላለፉ።
ር. ሊ. ጳ. ሊዮን መበል 14 ፦ ንሮማን ንዓለምን ዘቅረብዎ ሰላምታ
ሰላም ምስ ኩልኻትኩም ይኹን! ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ እቲ ምእንቲ መጓሰ ኣምላኽ ህይወቱ ዝሃበ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ ከም ናይ መጀመርታ ሰላምታ ነዚ እዩ ዘቕረበሎም። ኣነ እውን እዚ ሰላም እዚ ናብ ልብኹም ኪኣቱን ንስድራ ቤትኩምን ንዅሎም ህዝብኹምን ከኣ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልው ኺበጽሖም እምነ፣ ንኵሎም ህዝብታትን ንኵላ ምድርን ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን እብል።
እዚ ሰላም እዚ ናይቲ ኣጽዋር ዘወግድን ትሑትን፣ ሰላም ዝዕቅብን ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ሰላም ኢዩ። እዚ ሰላም እዚ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚመጽእ። እቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ፣ ንዅላትና ዜፍቅረና ኣምላኽ እዩ። ነቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ንግሆ በዓለ ትንሳኤ፣ ንሮማን ንዓለምን ዝባረኹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ድኹም ግን ከኣ ወትሩ ትብዓት ዝመልኦ ድምጺ ኣብ ኣእዛንና ጌና ንሰምዖ ኣሎና።
ኣነ ውን ነዚ ቡራኤ እዚ ኽቕጽል ፍቐዱለይ። ኣምላኽ ንኹልና የፍቅረና እዩ ፣ ኣባና ድማ እከይ ኣይኪዕወትን እዩ ። ኵላትና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኢና ዘለና። ብዘይ ፍርሂ ሓድነት ምስ ኣምላኽን ኣብ መንጎናን ንግበር፣ ኢድን ጓንትን ኴንና ውን ንቕድሚት ክንስጕም ኢና። ንሕና ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኢና፣ ክርስቶስ ቀቅድሜና ይኸይድ፣ ንዓለም ከኣ ብርሃኑ የድልያ እዩ ። ደቅሰብ ናብ ኣምላኽን ፍቕሩን ንምብጻሕ ንኢየሱስ ከም ድልድል ገይሮም ኢዮም ዝደልይዎ። ኵላትና ወትሩ ብሰላም ሓደ ህዝቢ ምእንቲ ኽንከውን፣ ብዘተን ምምኽኻርን ድልድል ንኽንሃንጽ ይሕግዘና ውን ኢዩ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን አመስግኖም ኣሎኹ!
ንዓኻትኩም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ክኸውን ዝመረጽኩምኒ ካርዲናላት ኣሕዋተይ ውን አመስግነኩም፣ ሰላምን ፍትሕን ንምርካብ ብሓባር እትጕዓዝ፣ ሓድነት ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ኰይና ምሳኻትኩም ክመላለስ፣ ምሳኻትኩም ምስ ኣንስትን ሰብኡትን ኰይነ ብሓባር ክዓዩ፣ ብዘይ ፍርሂ ንኢየሱስ ክርስቶስ እሙናት ክንከውንን፣ ንክርስቶስ ክንእውጅን ልኡካነ ወንጌል ዝኾንና ምእመናን ኢና።
ኣነ ወዲ ቅዱስ ኣጐጢኖስ ኢየ። ንሱ ኸኣ "ምሳኻትኩም ክርስትያን እየ፣ ንዓኻትኩም ከአ ጳጳስ ኢየ" ከም ዝበሎ፣ ስለዚ ኵላትና ብሓባር ናብታ ኣምላኽ ዘዳለወልና ሃገር ንጐዓዝ ዘሎና ኢና።
ንምእመናን ሰበኻ ሮማ ፍሉይ ሰላምታ፦
ከመይ ጌርና ሚስዮናዊት ቤተ-ክርስትያን ከም እንኸውን፣ ድልድላት ብኸመይ ከም እንሃንጽ፣ ዘተን ዝርርባትን ብኸመይ ከም እንገብርን፣ ከምዚ ቅርዓት እዚ ንዅሎም እቶም ናባና ዝመጹን፣ ህላወናን ቃላትናን ፍቕርና ዘድልዮም ሰባት ብኽፉት ኣእዳው ክንቅበሎም ከም እንኽእል ብሓባር ክንመሚ ኣሎና።
[ብቋንቋ ስጳንይና]
ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ንምእመናን ሰበኻ ቺክለይዮ ፐሩ ንጳጳሳም ዘሰንዩን ዝሕግዙን ዘለዉ ሰላም ክብሎም እፈቱ።
[ብቋንቋ ጣልያን]
ንዅላትኩም ካብ መላእ ዓለም ዝመጻእኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሰበኻ ሮማ ኢጣልያ ሰላምን ፍቕርን ቅርበትን ንምርካብ ብሕብረት እናተመላለስና ወትሩ ሃሰስ እናበልናን ሲኖዳዊት ቤተ - ክርስትያን ክንከውን ንደሊ ኢና።
ሎሚ ዕለተ ምህለላ ናብ እመቤትና ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይ ኢዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም አዴና ወትሩ ምሳና ክትጕዓዝ፣ እትቐርበናን ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎትን ፍቕራን ወትሩ ኽትሕግዘና ትደሊ እያ። ስለዚ፣ ምእንቲ እዚ ተልእኾ እዝን ምእንቲ መላእ ቤተ-ክርስትያንን፣ ምእንቲ ሰላም ዓለምን ብሓባር ንጸሊ።
ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ፍሉይ ጸጋ ክንረክብ እውን ንለምን።
ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም . . . [ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ምእመና ድማ ጸልዮም።]