ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ፈለማ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ፍቕሪ ኣይትጽብጽብን
ኣባ ተወልደ መብርሃቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ድሕሪ ምዃኖም ዘቕረብዎ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ "ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ" ዘርእስቱ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታት ኢዮቤል 2025 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተጀመረ ቀጺሎም ኣስተምሃሩ።
ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘካፍልዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም።
ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
(ረቡዕ 21 ግንቦት 2025)
ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ - ኢዮቤል 2025
ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዪ
2ይ. ህይወት ኢየሱስ - ምሳሌታት
6. ምሳሌ እቲ ዘራኢ
ብዙሕ ግዜ ብምሳሌ ይዛረቦም ነበረ፣ (ማቴ 13፡3)
NJባብ፦ ማቴ 13 1-9
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን
ኣብዚ ንመጀምርታ ግዜ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሓንጐፋይ ኢለ ክቕበለኩም ብምኽኣለይ ዝተሰምዓኒ ሓጐስ ክገልጸልኩም እፈቱ። ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ "ኢየሱስ ተስፋና ኢዩ!" ዘርእስቱ ተኸታታሊ ትምህርትታት ዓመተ ኢዮቤል ውን ክንቕጽል ኢና።
እምበኣር ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ስለ ዜርእየና፣ ብዛዕባ እቲ ተስፋ ንኽንረክብ ዚሕግዘና ምሳልያዊ ዛንታታት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስትምሃሮ ከነስተንትን ኢና። ንሎሚ ነቲ ከም መእተዊ ናይ ዅሉ እቲ ምሳልያዊ ዛንታታት ዝዀነ ፍልይ ዝበለ ምሳልያዊ ዛንታ ኸነስተንትን ደስ ይብለኒ። ናይቲ ዘራኢ ምስላ (ማቴ. 13፡ 1-17)። ኣብዚ ወንጌላዊ ዛንታ እዚ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዘመና ኣብ ስብከተ ወንጌል ብዙሕ ዝምህረናን ዘካፍለናን ሓሳባትን ዘርእየና መገድን ኸነለሊ ንኽእል ኢና።
ነፍሲ ወከፍ ምሳልያዊ ዛንታ ኻብ መዓልታዊ ኣነባብራና እተወስደ ግን ከኣ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ቍምነር፣ ክነግረና ዝደሊ ዛንታ ኢዩ። እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ብዙሕ ሕቶታት የበግሰልና፣ ኣብ ኣተሓሳስባና ደው ኢልና ከይንተርፍ ይዕድመና። ቅድሚ እቲ እተነግረና ዛንታ ወይ እቲ ዚቐርበልና ምሳሌ 'ኣብዚ ዛንታ እዚ ኣነ ኣበይ ኣለኹ? 'እዚ ምሳሌ እዚ ንህይወተይ እንታይ ትርጉም እዩ ዝህበኒ? ቢሊ ከም ዝሓትት ይገብረኒ። እታ "ምሳሌ" እትብል ቃል ኣብ ቋንቋ ግሪኽ ፓራባለይን እትብል ግሲ እያ ተመልክት፣ እዛ ግሲ እዚኣ “ኣብ ቅድሚት ምድርባትይ” ዝብል ትርጉም ኢዩ ዘለዋ። እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ከአ ዘተሓሳስበንን ንርእሰይ ኣብ ሕቶ ከም ዘእቱ ዝገብረንን ቃል ኣብ ቅድሜይ እዩ ዝድርብየለይ።
ምሳሌ ናይቲ ዘራኢ ብዛዕባ ናይቲ ብርቱዕ ዝኾነ ሓይሊ ቓል ኣምላኽን፣ ብዛዕባ እቲ ዜምጽኦ ሳዕቤናትን ብልክዕ እዩ ዚገልጽ። እወ ኵሉ ቓላት ወንጌል ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድሪ ህይወትና እተደርበየ ዘርኢ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘመልከቶ ምሳሌ ናይቲ ዘርኢ ብዙሕ ሳዕ እተፈላለየ ትርጕም እዩ ዘለዎ ። ኣብ ምዕራፍ 13 ናይ ወንጌል ማቴዎስ፣ እቲ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ሒዙ ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መሬት ዜጋጥም ዘሎ ነገራት፣ ማለት ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን፣ ዘርኢ ኣድሪ፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መሮር እተሓብአ ክቡር መዝገብ ንዚገልጽ እዩ። እሞ ኸ ደአ እቲ መሬት ከ እንታይ እዩ? ንሱ ልብና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ዓለም፡ ማሕበረሰብ፡ ቤተ - ክርስትያን እውን ዘመልክት ኢዩ ። ነዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ፍረ ከም ዝፈሪ ይገብሮ ንዅሉ ኩነታት ድማ ይብድሆ።
ኣብ መጀመርታ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብታ ቤት ወጺኡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያኡ ክእከቡ እንከለው ኢና እንርኢ (ማቴ. 13፡1)። ቃሉቱ ድማ መሳጥን በዳህን ኢዩ ዝነበረ። ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ብዙሕ እተፈላለየ ዅነታት ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ። ቃል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት እኳ እንተ ዀነ፣ ኣብ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ግና ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚዓዪ። እቲ ኣብ ዓውዲ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ንትርጕም እቲ ምሳሌ ብዝያዳ ንኽንርድኦ የኽእለና ኢዩ ።
ሓደ ዘይተለምደ ዘራኢ ኺዘርእ እኳ እንተ ወጸ፣ እቲ ዘርኢ ኣበይ ከም ዚወድቕ ግና ኣይግድሶን እዩ። ነቲ ዘርኢ ኣብ ዘይፈርየሉ ቦታ እውን ከይተረፈ ይድርብዮ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ኣኻውሕ፡ ኣብ መንጎ እሾዅ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቶም ሰማዕቱ ይገርሞም ' ከመይ ኢሉ ? ' ኢሎም ንኽሓቱ ውን ይገብሮም።
ንነገራት ኣብ ምጽብጻብ ልምዲ ኣሎና፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣድላዪ እዩ፣ እዚ ግና ኣብ ፍቕሪ ኣይሰርሕን እዩ ። እዚ "ዘባኽን" ዘራኢ፣ ነቲ ዘርኢ ዝዘርኣሉ መገዲ፣ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜፍቅረና ዜርኢ ምሳሌ እዩ። እወ ጽሕፍቶ እቲ ዘርኢ ኣብቲ ዝቕበሎ ምድሪን ኣብቲ ኣባኡ ዘጋጥሞ ዅነታትን ከም ዚምርኰስ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ዕምቈት ዘይብሉን ኣቓልቦና ዝሰርቕን፣ ሓድሓደ ግዜ ብውዕዉዕ ስምዒት ንቕበሎ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ በቲ ኣብ ህይወትና ዘጨንቐና ነገራትን ዝኸብደናን ጾር እኳ እንተኾነና ግን ከአ ፍቓደኛታትን ሓንጐፋይ ኢልና እንቕበለሉን እዋናት እውን ኣሎ። ኣምላኽ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ዘርኢ ኸም ዝዕምብብ ይተኣማመንን ተስፋ ይገብረሉን እዩ። ስለዚ በዚ ኸምዚ እዩ ዜፍቅረና፣ ብሉጽ መሬት ክሳዕ እንኸውን ኣይጽበየናን እዩ፣ የግዳስ ወትሩ ብልግሲ እዩ ንቃሉ ዝነግረና። ምናልባት ንሱ ብኣና ከም ዝተኣማመን ምስ እንርኢ፣ ዝሓሸ ሓመድ ንኪኸውን ዘሎና ባህጊ ኺለዓዓል ይኽእል እዩ። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብ ከውሒ ልግስን ምሕረትን ኣምላኽ እተመስረተት ተስፋ እያ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዚፈርየሉ መገዲ ክነግረና እንከሎ፣ ብዛዕባ ህይወቱ እውን ኢዩ ዝነግረና ዝነበረ። ኢየሱስ ቃል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዘርኢ እዩ። እቲ ፍረ ዚፈሪ ዘርኢ ኸኣ ኪመውት አለዎ። ስለዚ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኣምላኽ 'ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ' ድሉው ከም ዝዀነን፣ ንህይወትና ንኪቕይር ከኣ ኢየሱስ ኪመውት ፍቓደኛ ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።
እቲ ቫን ጎግ ዚበሃል ሰኣላይ፣ ጸሓይ ክትዓርብ እንከላ ሓደ ዘራኢ ክዘርእ እንከሎ ዘርኢ ዘዳለዋ ቅብኣ ትዝከረኒ። እቲ ኣብታ ሃልሃል እትብል ጸሓይ ዝርአ ዘራኢ፣ ብዛዕባ እቲ ሓረስታይ ዝገበሮ መሃዝነት እውን ይነግረኒ እዩ። ቫን ጎግ ብድሕሪ እቲ ዘራኢ ነቲ ድሮ ዝበሰለ እኽሊ ዜርኢ ምስሊ ምህላዉ ድማ ዝገርም እዩ። እቲ ዘርኢ ብእተፈላለየ መገዲ ፍረ ኸም ዘፍረየ ዚገልጽ ምስሊ ተስፋ እዩ ዝሰኣለ ኢዩ ዝመስለኒ። ብኸመይ ከም እንጕዓዝ ኣይንፈልጥን ኢና፣ እንተዀነ ግን ኩነትና ኩሉ ከምኡ ኢዩ። ኣብ ማእከል እቲ ስእሊ ግን እቲ ኣብ ጐድኑ ደው ኢሉ ዘሎ ዘራኢ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ ብምሉኡ እቲ ቕብኣ ብምስሊ ጸሓይ እተዓብለለ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣብ ዘይህልወሉ ወይ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዖ ታሪኽ ዝቀያየር ኣምላኽ ምዃኑ ንምዝኽኻር እዩ። ጸሓይ እያ ገጽ ምድሪ እተሙቖን ነቲ ዘርኢ ኸም ዝበስል እትገብሮን።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ቃል ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ህይወት እዩ ኣባና ዝበጽሕ ዘሎ? ንጐይታና ነዚ ቃሉ ዝዀነ ዘርኢ ንኽቕበሎ ወትሩ ጸጋ ኽህበና ንልምኖ። ፍረ ዜፍሪ ሓመድ ከም ዘይኰንና እንተ ፈሊጥና ኸኣ ተስፋ ኣይንቝረጽ፣ የግዳስ ዝሓሸ መሬት ምእንቲ ኽንከውን ዝያዳ ክሰርሓና ንሕተቶ።