MAP

Il Papa a Castelgandolfo, ricorda anche rifugi offerti da Pio XII Il Papa a Castelgandolfo, ricorda anche rifugi offerti da Pio XII  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ነቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዚርከብ ቦርጐ ስቡሕ ኣንተ በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ካስተል ጋንዳልፎ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ቦታ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቦታ ሥነ መዕበያን ከምኡው ውን ብዛዕባ ሓባራዊት ቤትና ዚግበር ክንክን ዝያዳ ፍልጠት ከም ዝሰፍሕ ንምግባርን ንቕሓት ዝኹስኮሰሉ ቦታ ብምቕያር ቦርጎ ስቡሕ ኣንተ ክብሉ ዝሰመይዎ ስፍራ ኣታኽልቲ በጺሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 29 ግንቦት፣ ናብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዚርከብ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደብ ተታሒዙ ዘይጸንሐ ዑደት ኣካይዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ  ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጀመርዎ ውጥን ቦርጎ ስብሕ ኣንተ ተዓዚቦም።

እቲ ኣብ ኣብ ዙርያ እቲ ጳጳሳዊ ቪላታት ዚርከብ ቦርጎ ስብሕ ኣንተ ዝተሰምየ ስፍራ ኣታኽልቲ፣ ንምድሪ ኸም "ሓባራዊት ቤትና" ገይሩ ንምቕራብን ንቅሓት ንምፍጣርን እተወፈየ ቦታ እዩ። እዚ ቦታ እዚ ኣብ ማእከል እቲ ዝተጸውዓሊ ዓዋዲ መልእኽቲ ዚርከብ "ውህደት ዘለዎ ኣከባቢ" ዜርኢ ኣብነት እዩ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝወሰ መገለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይዮን ኣብቲ ቦታ እቲ ብምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ሕይወት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁእ ብካርዲናል ፋብዮ ባጅዮን ከምኡውን ናይቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክምረቕ ተመዲቡ ዘሎ ቦርጎ ስቡሕ ኣንተ እተሰምየ ውጥን አወሃሃዲ ዝዀኑ ክቡር ኣባ ማኑወል ዶራንተስ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ድንግል ማርያም ንገለ ደቃይቕ ደው ብምባል ድማ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ በልቨደሬ ኸዱ፣ ድሕሪኡ ኣብቲ ክሪፕቶፖርቲከስ ዝበሃል ስነ-ጥንታዊ ስርሓት ዝንከበሉ ናይቲ ናይ ግዝኣት ሮማ ሃጸይ ዝነበ ዶሚጽያኖስ ኣዳራሽ ምገለ በቲ ኣጋጣሚ ኣባኡ እተረክቡ ሰባት ተራኸቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ "ብ1944 ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዞባ ካስተሊ ሩማንያ ብቦምብ ምስ ተደብደበ ንልዕሊ 12,000 ሰባት ዕቝባ ዝገበረሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ብትብዓት ዝወሰድዎ ስጕምትታት ዘዘኻኽር" ቦታ ተረኺቦም ውን ኣስተንተኑ።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2016 ናብ ቤተ-መዘክር ዝቐየርዎ ሓውርያዊ ታሪኻዊ ቪላ ባርቤሪኒ እውን ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም በጺሖም ተዓዚቦምዎ።

ቦርጎ ስብሕ ኣንተ

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ዓዋዲት መልእኽቲ ስብሕ ኣንተ ብምሕታም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሓባራዊት ቤትና ንምክንኻን ዚምልከት ኣገዳሲ ጕዳይ ኣትኵሮ ብምግባር ጸሓፉ። እቲ ኣብ ዙርያ ካስተል ጋንዶልፎ ዚርከብ መንበሪ ጳጳስ ዚርከብ ተፈጥሮኣዊ ቦታ ኣታኽልትን እንተላይ ነቲ ኣብ 20 ሄክታር ዚኸውን ቦታ ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓምላይ ስፍራ ኣታኽልትን ኣባይቲን ህንጻታት ኣገልግሎትን፣ ነቲ ኣብ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝኣወጅዎ መሰረታዊ ስርዓታት ብጭቡጥ መገዲ ንምምልካት እቲ ዝበለጸ ቦታ እዩ ነይሩ።

ብ2023 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ማእከል ስቡሕ "ኣብ ምዕባለ ሥነ ኣከባቢያዊ ትምህርቲ" ጭቡጥ ኣበርክቶ ንምግባርን ንኣከባቢ ብዛዕባ ምክንኻን መጠንቀቕታ ንምሃብን ቢሎም፣ ነዚ ስፍራ ኣታኽልቲ ብኽልተ ናይ ብኢድ ዝተጻሕፈ መልእኽትታቶም ብምእዋጅ መስረትዎ፣ በዚ ኸዚ ድማ እዚ ሕልሚ እዚ ኣብ ፍጻሜ በጽሕር።

ቦርጎ ስብህ ኣንተ ብሓገዝ ክኢላታት ሥነ ኣትክልትን፡ ስነ-ህይወትን፣ ሥስነ ኣከባብን ምስኡ እተተሓሓዘ ስነ-ፍልጠትን ከአ ነቲ ኣብ ዓዋዲት መልእኽቶም ስቡህ ኣንተ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምርማር ከምኡውን ከም ኣታኽልተይናታትን ሰራሕተኛታት ጽገና ሓምላይ ኣከባብን ዝኣመሰለ ናይ ስራሕ ምድላዋትን ስልጠናታን ንምሃብ ኣጋጣሚ ኸፈተ።

ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ንኣዋፈርቲ ነጋዶን ክኢላታትን ተማሃሮን ተመራመርቲ መንበረ ጥበባትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ስደተይናታትን፡ ግዳያት ዓመጻን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ስንኩላን ከምኡ ውን ኣቀዲሞም እሱራት ዝነበሩ ምስ ወልፊ ሓሽሽ ዝቃለሱ ሰባትን ከምኡውን ነቶም ትምህርታዊ ኣጋጣሚታት ዘይረኽቡ ብዙሓት ካልኦት ሰባትን ፍሉይ ፍቕሪ ምስ ዘለዎም ሰባት እውን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ቦታ ኢዩ።

30 May 2025, 18:34