ር.ሊ.ጳ. ሊዮስ መበል 14 ንምብራቓውያን ካቶሊካውያን፡ ንቤተ ክርስቲያን ተድልዩዋ ኢኹም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 “ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ! ብሓቂ ድማ ተንሲኡ እዩ!” እንክብሉ ነተን ባዕለን ዝመሓደራን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሉእ ሓድነት ዘለወን ኣብ ምብራቓዊ ክርስትና ዝተሰረታ ፍሉይ ስርዓተ ቅዳሴን ስነ መለኮትን ትውፊታትን ዝዕቅባ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እትርከቦም 23 ምብራቓውያን ካቶሊካዉያን ኣብያተ ክርስቲያናት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ፓትሪያርካትን ምመናንን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ዘስምዎ መደረ ኣበጊሶም፣ ኣስዒቦም “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡራት ኢኹም” ብምባል ሓደ ካብቶም ቀዳማይ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም፣ ንምእመናን ምብራቓውያን ክወፍዩ ብምኽኣሎም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ "ክርእየኩም እንከለኹ፣ ብዛዕባ እቲ እተፈላለየ መበቈልኩም ዜደንቕ ታሪኽኩም ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ማሕበረሰባትኩም ዘሕለፍዎ ወይ ዚጻወርዎ ዘለዉ መሪር ስቓይ እሓስብ . . . እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ምብራቓውያን ኣብያተ - ክርስትያን 'ነቲ ዝዓቀብዎ ፍሉይ መንፈሳውን ጥበብን ትውፊታተን ከምኡውን ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ህይወትን ሲኖዳውነትን ሊጡርጊያን ክዘንትዋልናን ከካፍላናን ዘለወን ነገራት ክሕልዋን ክኽበረለንን' ከም ዘለዎን ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንትምህርትታት እቶም ቀዳሞት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እንኮላይ ንሊዮ መበል 13ን ንቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብምዝካር፣ ኣገዳስነት ትውፊታትን ባህልታትን ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፣ ብፍላይ ሊጡርጊያታትን ኣጒሊሖም፣ ነቶም ካብ ዓዶም ንኽስደዱ ዝተገዱ ብምዝካር፣ "ብዙሓት ምብራቓውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓዶም ጥራይ ዘይኰነስ ሃይማኖታዊ መንነቶም እውን ክስእኑ ከም ዝኽእሉ" ኣተሓሳሲቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ኣገዳስነት ምዕቃብ ስርዓታት ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣጽኒዖምን፣ ናይ ምብራቓውያን ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን “መትከላትን ስርዓታትን መምርሕታትን መሰረት” ነቶም ኣብ ስደት ንዝርከቡ ናይ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምመናን ውርሻኦም ክዕቅቡ መታን ክድግፎም ክሕግዞምን ድማ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተቤተ ክርስቲያን ንምብራቕ የድልያ
ንቤተ ክርስቲያን ተድልዩ ኢኹም!” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ምስ ገለጹ ኣስዒቦም፣ “ክርስትያን ምብራቕ ሎሚ ከቕርበልና ዝኽእል ኣበርክቶ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣” ብምባል ኣብ ምብራቓዊ ቅዳሴታት ዝግለጽ ትርጉም ምስጢር ምስማዕ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፤ ኣገዳስነት ናይ ዳግማይ ምርኻብ ስምዒት ቀዳምነት ኣምላኽን ናይ ምሥጢረ ምስጢራትን፤ ከምኡ’ውን ኣድላይነት “ንስሓን ጾምን ምጥዓስ ብሓጢኣት ገዛእ ርእስኻን ስለ ሓጢኣት ኩሉ ደቂ ሰባትን” ቢሎም፣ "ስለዝ ባህልኹምን ትውፊታትኩም ከየዳኸምኻ ምዕቃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ . . . ማዓታዊ ሕሰም ደቂ ሰባት ምስ ምግራም ምሕረት ኣምላኽ” ዘወሃህድ ናይ ምብራቓዊ ትውፊታት መንፈሳውነት ዘለዎ መድሃኒታዊ” ዋጋ ኣጉሊሖም፣ “ካባኻትኩም ዝበልጽ መን ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዘቕቲ ዓመጽ እውን ከይተረፈ ናይ ተስፋ መዝሙር ክዝምር ዝኽእል” እንክብል ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶ ንማሕበረሰባት ምብራቓውያን “ሰማእታት ኣብያተ ክርስቲያን” ዝብል መጸውዕ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ነቲ ከም ቅድስቲ መሬትን፣ ዩክሬን፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ትግራይን ካውካስን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዘሳቕዮም ዘሎ ዓመጽ ዓቢ ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፣ “ካብዚ ራዕዲ፡ ካብ ምሕራድ ብዙሓት መንእሰያት፣ ብስም ወተሃደራዊ ስዕረት ህይወት ይስዋእ ስለዘሎ፣ ቁጥዐ ከለዓዕል ዝግብኦ ጃምላዊ ቅትለት፣ ጻውዒት ንሰላም ይድመጽ ኣሎ . . . እቲ ጻውዒት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይኮነስ፡ እቲ ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!’ ዝበለ ናይ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ፣ እዚ ሰላም እዚ ዕርቂ፣ ይቕሬታ፣ ኩሉ ገዲፍካ ከም ብሓድሽ ህይወት ምጅማር ዝሓትት ብምዃኑ፣ ነዚ ንምግባር ትብዓት ክህልወና ንጸሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ተወፋይነት ንሰላም
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ “ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ህርኩት ጻዕሪ ክገብሩ” ዘለዎም ቆራጽነት ደጊሞም ብምጒላሕ፣ ቅድስቲ መንበር “ተጻባእቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ንምምጻእ፣ ገጽ ንገጽ፣ ንሓድሕዶምን ክዝትዩ ንምሕጋዝ፣ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ህዝብታት ተስፋ ናብ ምግባር ክምለሱን . . . ናብ ክብሪ ሰላም ክምለሱን” ዝከኣላ ኩሉ ክትገብር ድልውነታ ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ብቐጥታ ንህዝቢ ዓለምን ንመራሕቱን “ንራኸብ፣ ንዘቲ፣ ንላዘብ!” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ኲናት ፈጺሙ ዘይተርፍ ኣይኮነን” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “ጸገማት ዘይፈትሕ፡ ንሽግራት ዘጋድድ” ኣጽዋር ክዕበስ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የመላኽት።
ቀጺሎም ድማ ስለ ዅሎም እቶም “ሰላም ዝዘርኡ” ንኣምላኽ ኣመስጊኖም፣ ነቶም “ልዕሊ ዅሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝጸንዑን ኣብ ዓዶም ክተርፉን ዝደልዩ፣ ነቲ ቤቶምን ዓዶምን ሓዲጎም ንኽስደዱ ዝገብር ፈተና ዝቃወሙ” ማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ “ንውሑስ ህላወ ዘድሊ ኩሉ መሰላት ሒዞም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ክተርፉ ዕድል እምበር ቃላት ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮም” እንክብሉ ድማ ኣረጋጊጾም፣ "እቲ ወዲ ፍትሒ ዝዀነ ኢየሱስ" ኣብ ሃገሮም ከም ዝተንስአ ብምዝካር፣ ንምብራቓውያን ክርስትያናት "ኣብ ዓለም ብርሃን" ስለ ዝዀኑ ኣመስጊኖም፣ ከምኡውን "ብእምነቶምን ብተስፋኦምን ኣብ ምሕጋዝ ካብ ካልእ ፍልይ ዝበሉ" ኪዀኑ ከም ዝግብኦም ኣተባቢዖም፣ ጓሶት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ማሕበረሰቦም “ናይ ሕውነትን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ቦታታት” ምእንቲ ክኸውን፣ “ቕንዕና ዘለዎ ማሕበረሰብ” ከስፍሑ ሓቲቶም፣ "ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፣ ጽባቐ ክርስትያናዊ ምብራቕ ኣብ ተኣዛዝነትን ኣብ ወንጌላዊ ምስክርነትን እሙን ንኽኸውን ካብ ኩሉ ዓለማዊ ምትእስሳርን ካብ ኩሉ ኣንጻር ሕብረት ዝጻረር ዝንባለታትን ሓራ ምዃን ይሓትት" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።