MAP

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ወርሓ ግንቦት ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ወርሓ ግንቦት ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት  (@Vatican Media)

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ወርሓ ግንቦት ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንወርሒ ግንቦት ዝህልዎም ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት ወግዓዊ ከም ዝገበረን፣ እዚ መርሓ ፍጻሜታት፣ ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብውግዒ ንምብጋስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘጠቓልል እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝህልዎም ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት ወግዓዊ ከም ዝገበረን፣ እዚ እውን ኣብዚ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ፣ ቅዱስ ኣቦና ዝተፈላለዩ መስዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑን ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ዘካይድዎ ሓያሎ ምብጻሕ ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ሓምሻይ ሰንበት ዘመነ ትንሳኤ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10፡00 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ንምጅማር መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ሰሉስ ዕለት 20 ግንቦት ኣብ ክፍሊ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ክነግዱን ኣብኡ ድማ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ቅርያርት ኣብ ዝዓረፈሉ ስፍራ ከበጽሑ እዮም።

ሰንበት 25 ግንቦት ሻድሻይ ሰንበት ዘመነ ትንሳኤ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጳጳስ ዘሮሜ ካቴድራል ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ሰዓት 17፡00 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይ ሮማ ጳጳስ መንበሮም ብወግዒ ክርከቡን እዮም።

ድሒሩ ምሸት ሰዓት 19፡00 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ክነግዱን፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ፊት ክቡር ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ጸሎት ከዕርጉ እዮም።

ኣብ መወዳእታ ቀዳም ዕለት 31 ግንቦት በዓለ ዝኽሪ ምብጻሕ እግዝእትነ ማርያን ናብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 10፡00 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

13 May 2025, 15:50