MAP

2025.05.18 Celebrazione Eucaristica per lâ  Inizio del Ministero Petrino del Vescovo di Roma Leone XIV 2025.05.18 Celebrazione Eucaristica per l’Inizio del Ministero Petrino del Vescovo di Roma Leone XIV  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ'ነቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ኽንርስዕ ኣይንኽእልን ኢና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽናታ፣ ብፍላይ ኣብ ቃዛን ምያንማርን ዩክረይንን ብሰንኪ ውግእ ንዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ብምጽላይ ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ኽፍልታት ዓለም ሰላም ክሰፍን ተማሕጸኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዕለተ ጽንብል ዕለተ ሲመት ቅዱስንርቶምን ወግዓዊ ምግጅማር ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ዝዓተገ መሥስዋዕተ ቅዳሰ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ብምዕራግ፣ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩ ሰባት ሰለማ ክረኽቡ ተማህለሉ።

ነቶም ኣብቲ ዝዓተገ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉ ኣስታት 200,000 ዝኾኑ ምእመናንን፣ ነቶም ሓያሎ ልኡኻንን ንተወከልቲ ሃገራትን ኣብያተ-ክርስትያናትን እተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘለዎም  ምስጋና ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ብሓጐስ እምነትን ሓድነትን ነቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርስዕ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።

እቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ እስራኤልን ሃማስን ነቶም ኣብ ቃዛ ዝነበሩ "ብህይወት ዘለዉ ቘልዑን ስድራቤታትን ከምኡውን ኣረጋውያን" ብጥሜት የሳቕዮም ከም ዘሎ ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ምያንማር ዝተኸስተ "ሓድሽ ውግእ ንብዙሃት ንጹሃት መንእሰያት ቀቲሉ ይርከብ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ።

"እታ በጃ እትኸውን ዘላ ዩክረይን፣ ብዛዕባ ሰላም ዝግበር ዘተ ትጽበ ኣላ" ብምባል ድማ ዝስምዖም ጓሂ ገለጹ።

ድሕሪ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፈ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ቮሎዲመር ዜለንስኪ ብብሕቲ ረኺቦም ተዘራረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ዝካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ "መንፈሳዊ ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ሰማያት የሰንዮም ከም ዘሎ ኣጸቢቑ ከም ዝድምዖም" ውን ኣዘካኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወግዓዊ ምጅማር ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝጸምበሉሉ እዋን ንካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ንኣገልግሎቶምን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምውፋይ ኣማላድነታ ትማሕጸኑ።

ከምዚ ብምባል ድማ ቃል ምሕጽንታኦም ደምደሙ - "ንኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ነቶም ዝሳቐዩ ደገፍን ምጽንናዕን ከምኡውን ኵላትና ምስክር ናይቲ ተንስአ ጐይታ ክንከውን ጸጋ ክወሃበና ንልምን።"

20 May 2025, 16:51