ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ መቓብር ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምብጻሕ ኣካይዶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘዚሞም ናብ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ከተማ ጀናዛኖ ናብ ዝርከብ ካብ 1200 ዓመታት ብኣጎስጢኖሳውያን ገዳማውያን ማሕበር ዝመሓደር ካብ ኣልባኒያ ከተማ ሽኮደር ዝመጸ ብር.ሊ.ጳ. ሊዮን ሻምናይ ኣዚያ ፍቕርቲ ናይ ዝኾነት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ሰናይ ምኽሪ ዝተነብሮ ኣብ 1903 ዓ.ም. ናብ ንኡስ ባዚሊካ ክብ ዝበልዎ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ሰናይ ምኽሪ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅደስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣስዒቡ፣ ኣብ 1959 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ኣብ 1995 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ መካነ ንግደት ኣደ ሰናይ ምኽሪ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 8 ግንቦት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ካርዲናል እንከለዉ ዕለት 25 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ኣብቲ መካነ ንግደት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ኣዘኻኺሩ።
ሰላምታን ጸሎትን
ቅዱስ ኣቦና ናይታ ከተማ ተቐማጦ ድሕሪ ዝገበሩሎም ኣቀባብላ፣ ናብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ኣደ ሰናይ ምኽሪ ኣፍደገ ምስ በጽሑ ናይቲ መካነ ንግደት ሓለቓ ወዲ ማሕበሮም ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም መጀመሪ ናብ መንበረ ታቦት ብምኻድ ሓጺር ናይ ግሊ ጸሎት ምስ ፈጸሙ ኣስዒቦም እውን ናብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ኣደ ሰናይ ምኽሪ ብምኻድ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ምመናን ብሓባር እታ ር.ሊጳ. ዮሓንስ ጳውሎድ ዳግማዊ ዝደረስዋ ጸሎት ኣደ ሰናይ ምኽሪ ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሳ ዝበለትኩም ግበሩ
ኣብ መወዳእታ ድማ ሰላም ለኪ ጸሎት መሪሖም ብሓባር ምስቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምመናን ደጊሞም፣ ሰላም ንግስተ ሰማይ መዝሙር ምስ ተዘመረ፣ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ድማ ስላም ምስ በሉ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ኣደ ሰናይ ምኽሪ ንዝነበሩ ድማ፣ ‘ኣብዘን ቀዳሞት መዓልታት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ዝሃበትኒ ተልእኾ ተካኢ ጴጥሮስ ንምፍጻም ናብዚ ክመጽእ ኣዝየ እደሊ ነይረ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ንኽኾኑ ኣብ ዝተሓረይሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፣ ነቲ ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝበለቶ ቃላት ብምጥቃስ፡ ‘ንሳ ዝበለትኩም ግበሩ” ምስ በሉ ካብኡ ቅድሚ ምስንባቶም ምስቶም ኣብታ ከተማ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኣውጉስጢኖሳውያን ብሕታዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።