MAP

2025.05.25 Regina Caeli 2025.05.25 Regina Caeli  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ጸሎትና ንዅሎም እቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዝሓቍፍ ኢዩ

ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብጽዕናኡ እተኣወጀ፣ ብፁዕ ስታኒስላውስ ስትራይኽ ዘኪሮም፣ ምእንቲ እታ ኣብ ሃገረ ቻይና እተርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝተኻየደ ዕለተ ጸሎትን ከምኡውን ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ዓዋዲት መልእኽቲ "ስቡህ ኣንተን" ብምዝኽኻር፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሕዝብታት ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ቃል ምሕጽንታ ኣቕረቡ - "ቅድስቲ ድንግል ማርያም [ንካቶሊካውያን ሃገረ ቻይናን] ከምኡውን ንዅላትና ሰላምን ስኒትን ንምድንፋዕ ኣብ መንጎ ፈተናታት እውን ከይተረፈ ጽኑዓትን ሕጉሳትን መሰኻኽር ወንጌል ንምዃን ጸጋ ተማልደልና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝተጀመረ ዕለተ ጸሎት ምእንቲ ካቶሊካውያን ሃገረ ቻይና ብምዝካር፣ ነቲ

 ዝሃለፈ ቀዳም ንእተኻየደ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቤተክርስቲያን ቻይና ብምዝኽኻር፣ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ኣምላኽ ዝቐረበ ጸሎት "ንቻይናውያን ካቶሊካውያን ምስ ኣድማሳዊት ቤተ - ክርስትያን ዘለዎም ርክብ ከም ምልክት ሓልዮትን ፍቕርን" ገይሮም ክርእይዎ ተማሕጸኑ ።

ኣስዕብ ኣቢሎምውን "በዚ ሓሳብ እዚ ውን ጸሎትና ንዅሎም እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ህዝብታት ዝሓቘፈ ኢዩ " በሉ፣ ብተወሳኺ ድማ "ነቶም ዘተ ዘካየዱን ሰላም ንምስፋን ልባዊ ጻዕሪ ዝገብሩን ዘለዉን ሰባት ትብዓትን ጽንዓትን ንልምነሎም ኣሎና" በሉ።

ደብረ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሸሻን ኣብ ሃገረ ቻይና
ደብረ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሸሻን ኣብ ሃገረ ቻይና

ብፁዕ ስታኒስላውስ ስራይች

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ፖዝናን ፖላንድ ብፅዕናኡ እተኣወጀ ክቡር ኣባ ስታኒስላው ስትራይኽ እውን ዘኪሮም።

ብጹእ ስታኒስላው ብ1938 ኣብ ክንዲ ድኻታትን ሰራሕተኛታትን ዝገበሮ ዕዮ ነቶም ዴሳዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ዝነበሩ ስለ ዘሕረቖም፣ በቶም ጸረ እምነት ዝኾኑ ሰባት እተቐትለ ፖላንዳዊ ካህን ሰበኻ ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ኣብነት ብፁዕ ስታኒስላው ስትራይኽ "ብፍላይ ንኻህናት ወንጌል ኣብ ምስባኽ ኰነ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብልግሲ ኣብ ምግልጋል ምትብባዕ ክኾኖም" ዝለዎም ተስፋ ገለጹ።

ኣዋጅ ብፀዕና እስታኒስላው ስትራይኽ
ኣዋጅ ብፀዕና እስታኒስላው ስትራይኽ

ዝኽሪ 10ይ ዓመት “ስብሕ ኣንተ”

ዕለት 24 ግንቦት ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸሃፍዋ ታሪኻዊት ዓዋዲት መልእኽቶም “ስብሕ ኣንተ” ዝኸተሙላ ዕላት ኢያ ዝነበረት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ዕለት እዚ ብምዝካር ድማ ብዛዕባ እታ ሰነድ "ኣዝያ ህብብትን እተነቓቕሕን ሰነድ ኮይና፣ ማእለያ ዘይብሉ ተበግሶታት ዝገበረትን ከምኡውን ኵሉ ሰብ ነቲ ድርብ ኣውያት ምድርን ድኻታትን ክሰምዕ ዝመሃረት ሰነድ ኢያ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ንምንቅስቓስ ‘ስቡሕ ኣንተን’ ንዅሎም እቶም ነዚ መብጽዓ እዚ ንቕድሚት ዘሰጕሙን ሰባትን" ሰላምታኦም ብምቕራብ ኣተባብዕዎም።

ቃል ሰላምታ ንነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ንጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ እንተላይ ነቶም ካብ ቫለንስያን ፖላንድን ዝመጹ ነጋድያን ምዉቕ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ነቶም ኣብ ሃገረ ፖላንድ "ናብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፒካሪ ስላስከይ ዝግበር ዓብዪ ጕዕዞ ንግደት" እተሳተፉ ምእመናን ፍሉይ ቡራኬ ኣካፈልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ እተፈላለያ ኸተማታት ኢጣልያ ንዝመጹ ምእመናን፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ካብ ርእሰ ሰበኻታት ጀንዋን ካብ ሰበኻ ቴምፒዮ ኣምፑርያስ ዝመጽኡ ሓደስቲ ቅብኣተ ሜሮን እተቐበሉ መንእሰያን፣ ከምኡውን ካብ ፓደርኖ ዱግናኖ ዝመጹ ተቐዳደምቲ ቅድድም ብሽክለታን ከምኡውን ካብ ፓለርሞ ዝመጸ "ኣባላት ሰራዊት ኢጣልያን" ንዝርከብዎም ነጋድያን ውን ፍሉይ ስላምታን ቡራኬን ኣቕረቡሎም።

26 May 2025, 13:54