ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ካብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምድጋሞም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ሚእቲ ሽሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን ነጋዲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኩሎም በጻሕትን
ሰንበት ዘኖላዊ
ዕለት 11 ግንቦት ሰንበት ብግጻዌ ሊጡርጊያ ሰንበት ዘኖላዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ብምዝካር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብዛ ዕለት ከም ጳጳስ ሮማ ኣገልግሎቶም ካብ ዝጅምሩ ቁሩብ መዓልታት ቀዳማይ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከቕርቡ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ሓቀይና ጓሳ "ንኣባጊዑ ዝፈልጥን ዘፍቅርን ምእንትኦም ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብን" ምዃኑ ኢየሱስ ብምዝኽካር ገዛእ ርእሱን መንነትን እንታይነትን ሕያዋይ ጓሳ ገሊጹልና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንጸዋዕታ
ሎሚ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታን ከምኡ እውን ካብ ዕለት 10 – 11 ግንቦት ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዓ.ም. ንኣባላት ጉጅለ ኦርከስትራን ህዝባዊ መዘናግዒታትን ዝተወፈየ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንኹሎም ፍቕራዊ ሰላምታ ብምቕራብ፣ "ንበዓል ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ፣ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን ዝመርሕ" ሕያዋይ ጓሳ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብሙዚቃኦምን ምርኢታቶምን ኣቢሎም ንዝመስከሩ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምስ ኩሎም ሕዝበ እግዚኣብሔር ሓቢሮም ንጸዋዕታ ብፍላይ ድማ ንጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ብሓባር ክንጽልይ ብምኽኣልና ሓጎስ ይስምዓኒ ቢሎም፣ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ህይወትን የድልያ እዩ። ነዞም ጸዋዕታ ዝስሞዖም ኣብ ጉዕዞኦም ክንድግፎምን “ኣብ ማሕበረሰቦም ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ምትብባዕን ክረኽቡ" ከምኡ'ውን "ንኣምላኽን ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ልግሲ ዝመልኦ ተወፋይነት ዝገልጽ ተኣማንነት ዘለዎም ኣብነት - ዝኾኑ የድልይዋ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር፣ ኩሉ ሰብ "ንመንእሰያት ክቕበልን ከሰንዮምን" ኣተባቢዖም፡ "ብፍቕርን ሓቅን ክንመላለስ ንሓድሕድና ከነገልግል፣ ክንተሓጋገዝ" እግዚኣብሔር ክድግፈና ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።
ኣይትፍራሕ!
ብፍላይ ንጸዋዕታ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንመንእሰያት እናሓሰቡ "ኣይትፍርሑ! ዕድመ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ክርስቶስ ጎይታናን ተቐበሉ!” ቢሎም፥
“ምሉእ ሕይወታ ንጻወዕታ ጐይታ ምላሽ ዝኾነት ድንግል ማርያም ወትሩ ንኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ተሰንየና”።
እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።