MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ምስማዕ!

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል መበል 14 ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳት ቅርያት ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ታቦት መስዋዕ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 11 ግንቦት ንግሆ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ በዓቲ ኣብ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳት ቅርይት ኣብ ዝተነበረሉ መንበረ ታቦት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመላኽት፣ ቅዱስነቶም ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣለኻንድሮ ሞራል ኣንቶን ተሰንዮም ከም ዘዕረጉ እውን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ኣብ መቓብር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበረ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ግሊ ጸሎት ምስ ኣቕረቡን ኣስዒቦም ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳጳሳትን ሜጥሮፖሊታን ሊቃነ ጳጳሳት ዘሎ ናይ ሓድነት ምልክት ዝተነብረሉ ስፍራ እውን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናፍን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ሕይወትና ንክርስቶስ ምሃብ

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 10፣ 27 – 30 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፣ ኣብቲ መጀመርታ ብእንግሊዘይና፣ ድሕሪኡ ብቋንቋ ጣልያን ዝለገስዎ ስብከት፣ ኣብ ተክለ ሰብነት ሕያዋይ ጓሳ ከም ዘስተንተኑን፣ ሓድሽ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝጅምርሉ ዘለውሉ እዋን፣ ኣብ ኣብነት ኢየሱስ ኣተኩይሮም፣ ኣብ ሕያዋይ ጓሳ ኢና እንምርኮስ ቢሎም፣ ዕለት 11 ግንቦት እውን መዓልቲ ኣዴታት ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንቕ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ እቲ ኣዴታት ብፍላይ ድማ ንደቀንን ደቂ ደቀንን ዝምስክርኦ ፍቕሪ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር ጸዋዕታ ምድላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣስዒቦም ዕለት 11 ግንቦት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ቅድሚ ምሕራዮምን ደሓር እውን ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ቀረባ ዓውደ ኣኼባታት፣ መዓልቲ ጸዋዕታ ኣዚዩ ዝጎልሐ ርእሰ ጉዳይ ምንባሩ ገሊጾም፣ “ኩላትና ብቐዳምነት ኣብ ሕይወትና ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን፣ ናይ ወንጌል ሓሴት ብምንባር፣ ንኻልኦት ተስፋ ክቖርጹ ብዘይምግባር፣ መንእሰያት ድምጺ ጐይታ ክሰምዑን ክስዕቡን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ ዝሕግዞም መንገድታት ኣብ ምድላይ ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ምስማዕ ሓይሊ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ወንጌል ምእዋጅ ዝብል ኵላዊ ጸዋዕታ ኣማእኪሎም፣ ምእመናን “ኣጆኹም! ኣይትፍርሑ!” እቲ ተልእኾ ሓድሓደ ግዜ መስዋእቲ ዝሓትት ምዃኑ ብምእማን፣ ኣብዚ ጸዋዕታ እዚ ምስማዕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እዚ ኸኣ ንቓል ኣምላኽን ንሓድሕድካን ምስማዕ ዝምልከት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ “ምስማዕ እዩ ናብ ሓቀይና ዘተ ክንኣቱ ዘኽእለና” ቢሎም፣ ድልድላት ንምህናጽ ዘብቕዕ መሰረት ምንባር” ከምዘድሊ ኣመላኺቶም፣ “ከመይ ጌርና ከም እንሰምዕ ክንፈልጥ ኣለና - ክንፈርድ ዘይኮነስ፣ ኩሉ ሓቂ ሒዝና ካልእ ሰብ ዘቕርቦ ነገር ከም ዘይብሉ ጌርና ማዕጾታት ክንዓጽው የብልና፣” ካብዚ ናይ ትሕትና ኣቃውማ እዚ ድማ ጎይታ ኣበይ ይጽውዓና ከምዘሎ ዝያዳ ንጹር ይኾነልና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 May 2025, 17:15